bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 145
Psalms 145
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ ኣምላኸይ፡ ንጉሰይ፡ ልዕል ከብለካ፡ ስምካውን ንዘለኣለም ኣለም ክባርኽ እየ።
2
ኲሉ መዓልቲ ኽባርኸካ፡ ስምካውን ንዘለኣለም ኣለም ክውድስ እየ።
3
እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡ ምስጋና ይግብኦ፡ ዕብየቱ ዘይተመርማሪ እዩ።
4
ካብ ወለዶ ንወለዶ ግብርታትካ ይንእዱ፡ ስልጡን ተግባርካውን የውርዩ።
5
ንኽቡር ጌጽ ግርማኻን ንመስተንክር ግብርታትካን ከስተንትን እየ።
6
ብዛዕባ ሓይሊ እቲ ዜፍርህ ግብርታትካ ኺዛረቡ እዮም፡ ኣነውን ዕቤትካ ኸዘንቱ እየ።
7
መዘከርታ ዓብዪ ሳህልኻ ኼውርዮ፡ ብጽድቅኻውን እልል ኪብሉ እዮም።
8
እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ፡ ዓቃልን ብሳህሊ ዓብይን እዩ።
9
እግዚኣብሄር ንዂሉ ሰናይ እዩ፡ ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ኲሉ ግብርታቱ እዩ።
10
ዎ እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ግብርታትካ ኼማስወካ፡ ቅዱሳንካውን ኪባርኹኻ እዮም።
11
ግብርታት ሓይልኻን ክቡር ግርማ መንግስትኻን ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኼፍልጡ፡ ክብሪ መንግስትኻ ኺዛረቡ፡ ስልጣንካውን ኪነግሩ እዮም።
13
መንግስትኻ መንግስቲ ዘለኣለም እያ፡ ግዝኣትካ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
14
እግዚኣብሄር ነቶም ዚወድቁ ዂሎም ይድግፎም፡ ነቶም ለጠቕ ዚብሉ ዂሎም የልዕሎም።
15
ኣዒንቲ ዂሎም ንኣኽ ኣይጽበያ፡ ንስኻውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም።
16
ኢድካ ትኸፍት እሞ፡ ንህያው ዘበለ ዂሉ ብበረኸት ተጽግቦ።
17
እግዚኣብሄር ብዂሉ መገዱ ጻድቕ እዩ፡ ብዂሉ ግብሩውን ሕያዋይ እዩ።
18
እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዂሎም፡ ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ዂሎም ቀረባኦም እዩ።
19
ፍቓድ እቶም ዚፈርህዎ ይፍጽም፡ ኣውያቶም ይሰምዕ የድሕኖም ከኣ።
20
እግዚኣብሄር ንዜፍቅርዎ ዂሎም ይሕልዎም፡ ንዂሎም ረሲኣን ግና የጥፍኦም።
21
ኣፈይ ምስጋና እግዚኣብሄር ይዛረብ፡ ኲሉ ስጋ ኸኣ ንቕዱስ ስሙ ንዘለኣለም ኣለም ይባርኾ።
← Chapter 144
Chapter 146 →