bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 144
Psalms 144
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር እምባይ፡ ነእዳወይ ውግእ፡ ነጻብዔይ ድማ ሰልፊ ዝመሀረ፡ ይባረኽ።
2
ጸጋይ፡ ዕርደይ፡ እምባይ፡ መድሓንየይ፡ ዋልታይ፡ እቲ ዝውከሎ፡ ንህዝበይ ዜግዝኣለይ ንስኻ ኢኻ።
3
ዎ እግዚኣብሄር፡ ሰብ እንታይ እዩ እትፈልጦ? ወዲ ሰብከ እንታይ እዩ እትዝክሮ?
4
ሰብ ንትንፋስ ይመስል፡ መዓልትታቱ ኸም ዚሐልፍ ጽላሎት እየን።
5
ዎ እግዚኣብሄር፡ ሰማያትካ ለጠቕ ኣቢልካ ውረድ፡ ነኽራን ተንክዮ እሞ፡ ኪተክኽ።
6
መባርቕ ኣባርቕ እሞ፡ በትኖም፡ ፍላጻታትካ ወርዊርካ ኣሸብሮም።
7
ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፡ ካብ ብርቱዕ ማያት፡ ካብ ኢድ ውሉድ ጓና ኣናግፈኒ።
8
ካብቶም ኣፎም ጥልመት ዚዛረቡ፡ የማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ሓሶት ብዀነት ባልሃኒ።
9
ዎ ኣምላኽ፡ ሓድሽ መዝሙር እዝምረልካ፡ ዓሰርተ ብዘውታሩ በገና እውድሰካ ኣሎኹ።
10
ንነገስታት ዲል ዝሀብካ፡ ንዳዊት ባርያኻ ኻብ ክፉእ ዘድሐንካ ንስኻ ኢኻ።
11
ካብ ኢድ ውሉድ ጓና፡ ኣፎም ጥልመት ዚዛረብ፡ የማነይቲ ኢዶም የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት፡ ኣናግፈንን ባልሃንን።
12
ኣወዳትና ብጒብዝናኦም ከም ነዋሕቲ ኣትክልቲ ይኹኑ፡ ኣዋልድና ኸም ኣተሃናንጻ ኣዳራሽ እተወቕረ ኣዕኑድ ኲርናዕ ይኹና፡
13
መዓኽንና በብዓይነቱ እኽሊ ይምላእ፡ ኣባጊዕና ኣብ መሮርና ኣሽሓትን ኣእላፋትን ይውለዳ፡
14
ኣብዑርና ኣጸቢቖም ይመንጒዱ፡ ኣብ ኣደባባያትናስ ምጥሓስን ምህዳምን ኣውያትን ኣይኹን።
15
ከምዚ ዚረክብ ህዝቢ ብጹእ እዩ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብጹእ እዩ።
← Chapter 143
Chapter 145 →