bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 139
Psalms 139
Amharic Tigrinya 2011
1
ጐይታየ፡ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን።
2
ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ፡ ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ።
3
ጐይታየ፡ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፡ እንሆ፡ ኲሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፡ ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።
5
ብድሕሪት ብቕድሚትን ከበብካኒ፡ ኢድካውን ኣንበርካለይ።
6
እዚ ፍልጠት እዚ ኣዝዩ ይገርመኒ፡ ልዑል እዩ፡ ከርክቦ ኣይክእልን።
7
ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፡ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሀድም እየ?
8
ንሰማይ እንተ ደየብኩ፡ ንስኻ ኣብኡ ኣለኻ፡ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፡ እንሆ፡ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ።
9
ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፡ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ፡
10
ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒ፡ የማነይቲ ኢድካውን ክትሕዘኒ እያ።
11
ጸልማት ይኸውለኒ፡ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ብርሃን ከኣ ለይቲ ይኹን፡ እንተ በልኩ፡
12
ንኣኻስ ጸልማት እኳ ኣይጽልምተካን፡ ለይቲ ኸኣ ከም መዓልቲ ትበርህ፡ ጸልማት ብርሃንን ንኣኻ ሓደ እዮም።
13
ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፡ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፡
14
መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፡ ከማስወካ እየ፡ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፡ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ።
15
ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፡ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተኣለምኩ፡ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን።
16
ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸሎኹ፡ ረኣያኒ፡ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፡ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፡ ኲለን ኣብ መጽሓፍትካ ተጻሕፋ።
17
ዎ ኣምላኽ፡ ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ፡ ቊጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ።
18
እንተ ቘጸርክዎ፡ ካብ ሑጻ ይበጽሕ፡ እንተ ነቓሕኩ፡ ገና ምሳኻ እየ።
19
ዎ ኣምላኽ፡ ንረሲእ ኰታ እንተ ትቐትሎ፡ ኣቱም ደመኛታት፡ ካባይ ርሐቑ።
20
ስምካ ብተንኰል ይሰምዩ፡ ጸላእትኻ ከንቱ ይዛረቡ።
21
ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቶም ጸላእትኻዶ ኣይጽልኣዮም? ነቶም ዚትንስኡኻስ ኣይፈንፍኖም?
22
ፍጹም ጽልኢ እጸልኦም፡ ጸላእተይ እዮም።
23
ዎ ኣምላኽ፡ መርምረኒ፡ ልበይ ከኣ ፍለጥ፡ ፈትነኒ፡ ሓሳበይውን ፍለጥ።
24
መገዲ ዓመጻ እንተ ኣልዩኒ፡ ርኤ፡ ኣብቲ ናይ ዘለኣለም መገዲ ምርሓኒ።
← Chapter 138
Chapter 140 →