bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 140
Psalms 140
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብቲ እኩይ ሰብ፡ ካብቲ ዓመጸኛ ሰብ ኣናግፈኒ፡ ካብቶም ብልቦም እከይ ዚህቅኑ፡ ኲሉ መዓልቲውን ውግእ ዜልዕሉ ሐልወኒ።
3
መልሓሶም ከም ኣትማን የብልሑ፡ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ ኣፍዑት ኣሎ።ሴላ።
4
ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ ኣእዳው ረሲእ ባልሃኒ፡ ካብ ዓመጸኛ ሰብ፡ ካብቶም ንስጒምተይ ኪሕንኲሉ ዚህቅኑ ሐልወኒ።
5
ዕቡያት መፈንጠራን ገመድን ሐብኡለይ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ መርበብ ዘርግሑ፡ መድፈና ኣጻወዱለይ።ሴላ።
6
ንእግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፡ በልክዎ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ።
7
ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታይ፡ ሓይሊ ምድሓነይ፡ ብመዓልቲ ውግእ ንርእሰይ ትጋርዳ።
8
ዎ እግዚኣብሄር፡ ከይዕበዩስ፡ ንረሲእ ትምኒቱ ኣይትፈጽመሉ፡ ሃቐናኡ ኣይተስልጠሉ።ሴላ።
9
እቶም ዚኸቡንስ እከይ ከናፍሮም ኣብ ርእሶም ይምጻእ።
10
ጒሁር ፈሓም ይውደቆም፡ ናብ ሓዊ፡ ናብቲ ዘይወጽሉ ዓሚቚ ጒድጓድ ይደርበዩ።
11
ወስላታ መልሓስ ዘለዎ ኣብ ሃገር ኣይኪቐውምን፡ ንገፋዒ፡ ክሳዕ ዚወድቕ፡ እከይ ኪሀድኖ እዩ።
12
እግዚኣብሄርሲ ፍትሒ ንጭኑቓት፡ ቅንዕና ኸኣ ንድኻታት ከም ዚገብረሎም፡ እፈልጥ እየ።
13
ብርግጽ፡ ጻድቃን ንስምካ ኼማስዉ፡ ቅኑዓት ኣብ ቅድሜኻ ኺነብሩ እዮም።
← Chapter 139
Chapter 141 →