bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 138
Psalms 138
Amharic Tigrinya 2011
1
ብምሉእ ልበይ ኤመስግነካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣማልኽቲ ምስጋናኻ እዝምር።
2
ንቓልካ ሓለፋ ዂሉ ስምካ ኣዕቢኻዮ ኢኻ እሞ፡ ናብ ቅዱስ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ፡ ንስምካውን ስለ ሳህልኻን ሓቅኻን ኢለ ኸመስግኖ እየ።
3
በታ ዝጸዋዕኩላ መዓልቲ መለስካለይ፡ ኣትባዕካኒ፡ ንነፍሰይ ኣበርታዕካያ።
4
ጐይታየ፡ ኲሎም ነገስታት ምድሪ፡ ቃላት ኣፍካ ሰሚዖም፡ ኬመስግኑኻ እዮም።
5
ክብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡ ብዛዕባ መገድታት እግዚኣብሄር ኪዝምሩ እዮም።
6
እግዚኣብሄር ልዑል እዩ እሞ፡ ንትሑት ይርእዮ፡ ንዕቡይውን ካብ ርሑቕ የለልዮ።
7
ብማእከል መከራ እኳ እንተ ኸድኩ፡ ንስኻ ህያው ትገብረኒ፡ ኢድካ ኣብ ኲራ ጸላእተይ ትዝርግሕ፡ የማነይቲ ኢድካውን ተድሕነኒ።
8
እግዚኣብሄር ኪፍጽመለይ እዩ፡ ጐይታየ፡ ጸጋኻ ንዘለኣለም ይነብር፡ ንተግባር ኣእዳውካ ኣይትሕደጎ።
← Chapter 137
Chapter 139 →