bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 132
Psalms 132
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ እግዚኣብሄር፡ ንዳዊት ኲሉ መከራኡ ዘክረሉ።
2
ንሱ ንእግዚኣብሄር ከም ዝመሐለ፡ ቦታ እግዚኣብሄር፡ መሕደሪ ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ክሳዕ ዚረክብሲ፡ ብሓቂ ናብ ድንኳን ቤተይ ኣይኣቱን፡ ኣብ መንጸፍ ዓራተይ ኣይድይብን፡ ነዒንተይ ድቃስ፡ ንዀበሮ ዓይነይውን ሰለምታ ኣይህብን፡ ኢሉ ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ከም እተመባጽዔ፡ ዘክረሉ።
6
እንሆ፡ ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕና፡ ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ።
7
ናብ ማሕደሩ ንእቶ፡ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ።
8
ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፡ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ።
9
ካህናትካ ጽድቂ ይልበሱ፡ ቅዱሳንካ ድማ እልል ይበሉ።
10
ምእንቲ ዳዊት ባርያኻ ኢልካ ገጽ ቅቡእካ ኣይትምለስ።
11
እግዚኣብሄር ንዳዊት፡ ካብ ፍረ ኽርስኻ ኣብ ዝፋንካ ከቐምጥ እየ፡ ውሉድካ ኺዳነይን ነቲ ዝምህሮም ምስክረይን እንተ ሐለዉ፡ ውሉዶም ድማ ኣብ ዝፋንካ ንሓዋሩ ኪቕመጡ እዮም፡ ኢሉ ብሓቂ መሐለሉ፡ ካብኡ ኣይኪርሕቕን እዩ።
13
እግዚኣብሄር ንጽዮን ሐርይዋ እዩ እሞ፡ መሕደሪኡ ኽትከውን በሀጋ፡
14
እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ፡ ብሂገያ እየ እሞ፡ ኣብዚኣ ኽነብር እየ።
15
ንሲሳያ ኣጸቢቐ ኽባርኾ፡ ንድኻታት እንጌራ ኸጽግቦም እየ።
16
ንኻህናታ ምድሓን ከልብሶም እየ፡ ቅዱሳና ኸኣ ብሓጎስ እልል ኪብሉ እዮም።
17
ኣብኣ ቐርኒ ዳዊት ከብቊል እየ፡ ንቕቡኤይ መብራህቲ ኣዳሎኹ።
18
ንጸላእቱ ነውሪ ኸልብሶም እየ፡ ኣብ ልዕሊኡ ግና ዘውዱ ኼንጸባርቕ እዩ።
← Chapter 131
Chapter 133 →