bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 130
Psalms 130
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ ዓሚቚ ናባኻ ኣእዌኹ፡
2
ጐይታየ፡ ድምጸይ ስማዕ፡ ኣእዛንካ ናብ ድምጺ ምህለላይ የቕልባ።
3
ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ፡ ጐይታየ፡ መን ደው ኪብል እዩ?
4
ግናኸ ምእንቲ ኺፈርሁኻ፡ ይቕሬታ ምሳኻ አሎ።
5
ንእግዚኣብሄር እጽበ፡ ነፍሰይ ትጽበ ኣላ፡ ብቓሉውን ተስፋ እገብር ኣሎኹ።
6
ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሓለውቲ፡ እወ፡ ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሓለውቲ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ ኣላ።
7
ሳህሊ ኣብ እግዚኣብሄር፡ ብዙሕ ምድሓን ከኣ ኣብኡ እዩ እሞ፡ ዎ እስራኤል፡ ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ።
8
ንሱውን ንእስራኤል ካብ ኲሉ ኣበሳኡ ኼድሕኖ እዩ።
← Chapter 129
Chapter 131 →