bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 129
Psalms 129
Amharic Tigrinya 2011
1
ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም ብዙሕ ጊዜ ኣጻበቡለይ፡ ይበል እስራኤል፡
2
ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም ብዙሕ ጊዜ ኣጻበቡለይ፡ ግናኸ ኣይሰዐሩንን።
3
ሓረስቶት ኣብ ዝባነይ ሐረሱ፡ ትልምታቶም ኣንውሑ።
4
እግዚኣብሄር ጻድቕ እዩ፡ ኣግማድ ረሲኣን በተኸ።
5
ንጽዮን ዚጸልኡ ዂላቶም ይሕፈሩ፡ ንድሕሪትውን ይመለሱ።
6
ከምቲ ሳዕሪ ናሕሲ፡ ዓጻዲ ኢዱ መሊኡ ዘይዐትረሉ፡ መልዓል እንዳእቲውን መሊኡ ዘይሐቚፈሉ፡ ከይዐበየ ዚሀጒጒ ይኹን።
7
ሓለፍቲ መገዲ ድማ፡ በረኸት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይኹን፡ ብስም እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና፡ ኣይብሉን።
← Chapter 128
Chapter 130 →