bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 125
Psalms 125
Amharic Tigrinya 2011
1
እቶም ብእግዚኣብሄር ዚውከሉ ኸምታ ዘይትናወጽ፡ ንዘለኣለም እትነብር ከረን ጽዮን እዮም።
2
ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ኣኽራን ኣሎ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ኣብ ዙርያ ህዝቡ እዩ።
3
ስለዚ ጻድቃን ኣእዳዎም ናብ ዓመጻ ኸይዝርግሑስ፡ በትሪ ረሲእነት ኣብ ርስቲ ጽድቃን ኣይነብርን እዩ።
4
ጐይታየ፡ ንሰናያትን ንቕኑዓት ልብን ሰናይ ግበረሎም።
5
ነቶም ናብ ጥውጥዋይ መገዶም ዜግልሱ ግና እግዚኣብሄር ምስቶም ገበርቲ እከይ ኪሰዶም እዩ። ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን።
← Chapter 124
Chapter 126 →