bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 124
Psalms 124
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይነብርሲ፡ ይበል እስራኤል፡
2
እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይነብር፡ ሰብ ኪንትንስኡና ኸለዉ፡
3
ሓርቖቶም ኣብ ልዕሌና ኺነድድ ከሎ፡ ሽዑ ብህይወት ከሎና ምወሐጡና፡
4
ሽዑ ማያት መጥሐለና፡ ውሒዝ ብልዕሊ ነፍስና ምውሓዘ፡
5
ሽዑ ዕቡይ ማያት ብልዕሊ ነፍስና ምሐለፈ ነይሩ።
6
እቲ ንምንጫት ኣስናኖም ክንከውን ዘይወፈየና እግዚኣብሄር ይባረኽ።
7
ነፍስና ኸም ዑፍ ካብ መፈንጠራ ሃዳናይ ኣምለጠት፡ መፈንጠራ ተበትከ፡ ንሕናውን ኣምለጥና።
8
ረዲኤትና ብስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ።
← Chapter 123
Chapter 125 →