bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 122
Psalms 122
Amharic Tigrinya 2011
1
ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኺድ፡ ምስ በሉኒ ተሐጐስኩ።
2
ዎ የሩሳሌም፡ ኣእጋርና ኣብ ደጌታትኪ ቘይመን ኣለዋ።
3
ኣቲ የሩሳሌም፡ ከም ንሓድሕዳ እተጋጠመት ከተማ ተሀነጽኪ።
4
እቶም ዓሌታት፡ ናይ እግዚኣብሄር ዓሌታት፡ ከምቲ ምስክር እስራኤል ንስም እግዚኣብሄር ኪውድሱ ናብኣ ይድይቡ።
5
ኣብኣ ዝፋናት ፍርዲ፡ ዝፋናት ቤት ዳዊት ተነቢሩ ኣሎ።
6
ንየሩሳሌም ሰላም ለምኑላ፡ እቶም ዜፍቅሩኺ ኺለምዑ እዮም።
7
ኣብ ውሽጢ መካበብያኺ ሰላም፡ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሻትኪ ኸኣ ልምዓት ይኹን።
8
ስለ ኣሕዋተይን ብጾተይን፡ ሰላም ይኹነልኪ፡ እብል።
9
ስለ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢለ፡ ሰናይኪ እደሊ ኣሎኹ።
← Chapter 121
Chapter 123 →