bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 121
Psalms 121
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል ኣሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዝመጸኒ?
2
ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ።
3
ንሱ ንእግርኻ ኣየሰናኽልን፡ ሓላዊኻ ኣይታኸስን።
4
እንሆ፡ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኽስን ኣይድቅስን እዩ።
5
እግዚኣብሄር ሓላዊኻ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ የማነይቲ ኢድካ ጽላልካ እዩ።
6
ጸሓይ ብመዓልቲ፡ ወርሒውን ብለይቲ ኣይኪወቕዓካን እዩ።
7
እግዚኣብሄር ካብ እከይ ዘበለ ኺሕልወካ፡ ንነፍስኻ ኺሕልዋ እዩ።
8
እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ምውጻእካን ምእታውካን ኪሕሉ እዩ።
← Chapter 120
Chapter 122 →