bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 120
Psalms 120
Amharic Tigrinya 2011
1
ብጸበባይ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፡ ንሱውን መለሰለይ።
2
ዎ እግዚኣብሄር፡ ንነፍሰይ ካብ ሓሳዊት ከንፈር፡ ካብ ወስላታ መልሓስ ኣናግፋ።
3
ኣቲ ወስላታ መልሓስ፡ እንታይ ኪህቡኺ? እንታይሲ ኺውስኹኪ እዮም?
4
ናይ ጅግና በላሕቲ ፍላጻ፡ ምስ ጓህሪ ሰራው።
5
ወይለይ፡ ኣብ ሜሴክ እሰፍር፡ ኣብ ማእከል ድንኳናት ቄዳር እነብር ኣሎኹ።
6
ነፍሰይ ምስቶም ሰላም ዚጸልኡ፡ ብዙሕ ጊዜ ነበረት።
7
ኣነስ ሰላማዊ እየ፡ ንሳቶም ግና፡ እንተ ተዛረብኩ፡ ንውግእ ይስለፋ ኣለዉ።
← Chapter 119
Chapter 121 →