bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 119
Psalms 119
Amharic Tigrinya 2011
1
ብመገዶም ፍጹማት ዝዀኑ፡
2
ምስክራቱ ዚሕልዉ፡ ብምሉእ ልቢ ዚደልይዎ ብጹኣን እዮም።
3
እከይ ኣይገብሩን፡ ብመገድታቱ ኸኣ ይመላለሱ።
4
ኣጸቢቑ ምእንቲ ኺሕሎ፡ ትእዛዛትካ ኣዘዝካ።
5
ኣየ፡ ስርዓታትካ ኽሕሉስ፡ መገደይ እንተ ዚቐንዕ።
6
ንዂሉ ትእዛዛትካ እንት ዝቋመት፡ ሽዑ ኣይምሐፈርኩን።
7
ፍርዲ ጽድቅኻ ምስ ተምሀርኩ፡ ብቕንዕና ልቢ ኸመስግነካ እየ።
8
ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ፡ ፈጺምካ ኣይትሕደገኒ።
9
ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ? ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ።
10
ብምሉእ ልበይ እደልየካ ኣሎኹ፡ ካብ ትእዛዛትካ ኸየግልስ ኣይትሕደገኒ።
11
ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፡ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ።
12
ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ብሩኽ ኢኻ፡ ስርዓታትካ ምሀረኒ።
13
ንዂሉ ፍርድታት ኣፍካ ብኸናፍረይ ኣዘንቶኹ።
14
ብመገዲ ምስክራትካ ኸም ብዂሉ ሃብቲ ገይረ ተሐጐስኩ።
15
ንትእዛዛትካ ኤስተንትኖ፡ ንመገድኻውን እቋመቶ ኣሎኹ።
16
ብስርዓታትካ ባህ እብል፡ ንቓልካ ኣይክርስዖን እየ።
17
ብህይወት ክነብር፡ ቃልካውን ክሕሉስ፡ ንባርያኻ ሰናይ ግበረሉ።
18
ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስ፡ ኣዒንተይ ክፈተለይ።
19
ኣነ ኣብ ምድሪ ጋሻ እየ፡ ትእዛዛትካ ኣይትሕብኣለይ።
20
ነፍሰይ፡ ኲሉ ጊዜ ፍርድኻ ብምንፋቕ ተቐጥቀጠት።
21
ነቶም ትዕቢተኛታት፡ ነቶም ካብ ትእዛዛትካ ዜግልሱ ርጉማት ገናሕካ።
22
ምስክራት ሐልየ እየ እሞ፡ ጸርፍን ንዕቀትን ኣርሕቐለይ።
23
መሳፍንቲ ተቐሚጦም እኳ እንተ ሐመዩኒ፡ ባርያኻስ ብስርዓታትካ የስተንትን ኣሎ።
24
ምስክራትካ ድማ ባህታይን መኸርተይን እዮም።
25
ነፍሰይ ኣብ ሓመድ ተጣበቐት፡ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።
26
መገደይ ኣዘንቶኹ፡ ንስኻውን መለስካለይ፡ ስርዓታትካ ምሀረኒ።
27
ንተኣምራትካ ኸስተንትኖስ፡ መገዲ ትእዛዛትካ ኣፍልጠኒ።
28
ነፍሰይ ብሓዘን ትነብዕ ኣላ፡ ከም ቃልካ ኣደልድለኒ።
29
መገዲ ሓሶት ኣርሕቐለይ፡ ሕግኻውን ብሳህልኻ ፍቐደለይ።
30
መገዲ ሓቂ መረጽኩ፡ ፍርድታትካ ኣብ ቅድመይ ኣንበርኩ።
31
ኣብ ምስክራትካ እጠብቕ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣይተሕፍረኒ።
32
ልበይ ምስ ኣግፋሕካ፡ ብመገዲ ትእዛዛትካ ኽጐዪ እየ።
33
ዎ እግዚኣብሄር፡ መገዲ ስርዓታትካ ምሀረኒ፡ ክሳዕ መወዳእታውን ክሕልዎ እየ።
34
ምስትውዓል ሀበኒ እሞ፡ ንሕግኻ ኽሕልዎ፡ ብምሉእ ልበይውን ክገብሮ እየ።
35
ብእኡ ባህ ኢሉኒ እዩ እሞ፡ ብመገዲ ትእዛዛትካ ኣመላልሰኒ።
36
ንልበይ ናብ ምስክራትካ እምበር፡ ናብ ስስዔ ገንዘብ ኣይተዝብሎ።
37
ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን፡ ብመገድኻ ህያው ግበረኒ።
38
ነቲ ናብ ፍርሃትካ ዚመርሕ ቃልካ ኣብ ባርያካ ኣጽንዓዮ።
39
ፍርድታትካ ሰናይ እዩ እሞ፡ ነቲ ዝፈርሆ ጸርፊ ኣርሕቐለይ።
40
እንሆ፡ ትእዛዛትካ እናፍቕ ኣሎኹ፡ ብጽድቅኻ ህያው ግበረኒ።
41
ዎ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ቓልካ ምሕረትካን ምድሓንካን ይምጽኣኒ።
42
ኣብ ቃልካ ተወኪለ እየ እሞ፡ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ክህቦ እየ።
43
ንፍርድታትካ እጽበ ኣሎኹ እሞ፡ ነቲ ቓል ሓቂ ኻብ ኣፈይ ፈጺምካ ኣይተግድፈኒ።
44
ኣነውን ንሕግኻ ኣዘውቲረ፡ ኲሉ ጊዜ፡ ንዘለኣለም ክሕልዎ እየ።
45
ትእዛዛትካ ድማ ደልየ እየ እሞ፡ ብገፊሕ ቦታ ኽመላለስ እየ።
46
ኣብ ቅድሚ ነገስታት ከኣ ምስክራትካ ኽዛረብ፡ ኣይክሐፍርን ድማ እየ።
47
በቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካውን ባህ ክብል እየ።
48
ኣእዳወይ ድማ ናብቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካ ኸልዕል፡ ስርዓታትካ ኸኣ ከስተንትን እየ።
49
ነቲ ንባርያኻ ዘተስፎኻዮ ቓል ዘክር።
50
ቃልካ ህያው ገይሩኒ እዩ እሞ፡ እዚ ኣብ መከራይ መጸናንዕየይ እዩ።
51
ትዕቢተኛታት ኣዝዮም ኣላገጹለይ፡ ኣነ ግና ካብ ሕግኻ ኣየግለስኩን።
52
ጐይታየ፡ ናይ ጥንቲ ፍርድታትካ እናሐሰብኩ፡ እጸናናዕ ኣሎኹ።
53
ብሰሪ እቶም ሕግኻ ዝሐደጉ ረሲኣን ብቚጥዓ ተቓጸልኩ።
54
ኣብ ቤት ግሽነተይ ስርዓታትካ መዝሙራተይ እዩ።
55
ዎ እግዚኣብሄር፡ ብለይቲ ስምካ ሐሰብኩ፡ ሕግኻውን ሐሎኹ።
56
ትእዛዛትካ ሐልየ እየ እሞ፡ እዚ ዕድለይ ኰነ።
57
ጐይታየ፡ ምሕላው ቃልካ ግደይ እዩ፡ በልኩ።
58
ብምሉእ ልበይ ኣባኻ እምህለል ኣሎኹ፡ ከም ቃልካ ምሐረኒ።
59
ንመገደይ ሐሰብኩ፡ ኣእጋረይውን ናብ ምስክራትካ መለስኩ።
60
ትእዛዛትካ ንምሕላው ቀልጠፍኩ እምበር፡ ኣይደንጔኹን።
61
ኣግማድ ረሲኣን ከበበኒ፡ ሕግኻ ግና ኣይረሳዕኩን።
62
ስለቲ ጻድቕ ፍርድኻ ኸመስግነካ፡ ፍርቂ ለይቲ ኽትንስእ እየ።
63
ኣነ ብጻይ እቶም ዚፈርሁኻ ዂሎምን ትእዛዛትካ ዚሕልዉን እየ።
64
ጐይታየ፡ ምድሪ ብጸጋኻ መሊኣ ኣላ፡ ስርዓታትካ ምሀረኒ።
65
ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ቃልካ ንባርያኻ ሰናይ ገበርካሉ።
66
ትእዛዛትካ ኣሚነ ኣሎኹ እሞ፡ ሰናይ ምስትውዓልን ፍልጠትን ምሀረኒ።
67
ከይተዋረድኩ ተጋጌኹ፡ ሕጂ ግና ቓልካ እሕሉ ኣሎኹ።
68
ንስኻ ሰናይ ኢኻ እሞ፡ ሰናይ ትገብር ኣሎኻ፡ ስርዓትካ ምሀረኒ።
69
ትዕቢተኛታት ሓሶት ይፍሕሱለይ ኣለዉ፡ ኣነ ግና ብምሉእ ልበይ ትእዛዛትካ እሕሉ ኣሎኹ።
70
ልቦም ከም ስብሒ ረጐደ፡ ኣነ ግና ብሕግኻ ባህ እብል ኣሎኹ።
71
ስርዓታትካ ምእንቲ ኽምሀር፡ ውርደተይ ሰናይ ኰነለይ።
72
ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርንሲ ሕጊ ኣፍካ ይሔሸኒ።
73
ኣእዳውካ ገበራንን ሰርሓንን፡ ትእዛዛትካ ኽምሀርሲ፡ ኣለብመኒ።
74
ንቓልካ ተጸብየ እየ እሞ፡ እቶም ዚፈርሁኻ ርእዮምኒ ኺሕጐሱ ኣዮም፡
75
ጐይታየ፡ ፍርድኻ ጽድቂ ምዃኑ፡ ብሓቅኻውን ከም ዘዋረድካኒ፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
76
ከምቲ ንባርያኻ ዝበልካዮ ቓል፡ ጸጋኻ መጸናንዒ ይኹነኒ።
77
ሕግኻ ደስታይ እዩ እሞ፡ ብህይወት ክነብርሲ፡ ምሕረትካ ይውረደኒ።
78
ዕቡያት ብሓሶት ጠውዮምኒ እዮም እሞ፡ ይሕፈሩ፡ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኤስተንትን ኣሎኹ።
79
እቶም ዚፈርሁኻን ምስክራትካ ዚፈልጡን ናባይ ይመለሱ።
80
ምእንቲ ኸይሐፍርሲ፡ ልበይ ብስርዓታትካ ፍጹም ይኹን።
81
ነፍሰይ ንምድሓንካ ትናፍቖ ኣላ፡ ንቓልካ እጽበዮ ኣሎኹ።
82
መኣዝ ኢኻ እተጸናንዓኒ? እናበልኩ፡ ብናፍቖት ቃልካ ኣዒንተይ ሐመቓ።
83
ከም ኣብ ትኪ ዘሎ ሓርቢ ዀንኩ፡ ስርዓታትካ ግና ኣይረሳዕኩን።
84
መዓልትታት ባርያኻ ኽንደይ እየን? ንሰጐጒተይከ መኣዝ ኢኻ እትፈርዶም?
85
እቶም ከም ሕግኻ ዘይነበሩ ትዕቢተኛታት ጒድጓድ ኰዐቱለይ።
86
ኲሉ ትእዛዛትካ ሓቂ እዩ፡ ብዘይ ምኽንያት ይሰጉኒ ኣለዉ፡ ርድኣኒ።
87
ካብ ምድሪ ኼጥፍኡኒ ቕሩብ ተረፎም፡ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኣይሐደግኩን።
88
ከም ጸጋኻ ህያው ግበረኒ፡ ኣነውን ምስክር ኣፍካ ኽሕሉ እየ።
89
ዎ እግዚኣብሄር፡ ቃልካ ንዘለኣለም ኣብ ሰማይ ጸኒዑ ኣሎ።
90
ሓቅኻ ኻብ ወለዶ ንወለዶ እዩ፡ ንምድሪ ኣጽኒዕካያ፡ ንሳውን ትነብር ኣላ።
91
ብዘሎ ዂሉ ንኣኻ የገልግል እዩ እሞ፡ ክሳዕ ሎሚ ኸም ሕጋጋትካ ቘይሙ ኣሎ።
92
ሕግኻ ደስታይ እንተ ዘይነብርሲ፡ ዛጊት ብመከራይ ምጠፋእኩ ነይረ።
93
ብእኡ ህያው ጌርካኒ ኢኻ እሞ፡ ንትእዛዛትካ ከቶ ኣይክርስዖን እየ።
94
ትእዛዛትካ ደልየ እየ እሞ፡ ናትካ እየ፡ ኣድሕነኒ።
95
ረሲኣን፡ ምእንቲ ኼጥፍኡኒ፡ ይጸናተዉኒ ኣለዉ፡ ኣነ ግና ንምስክራትካ ኤስተብህሎ ኣሎኹ።
96
ኲሉ ፍጽምነት መወዳእታኡ ርኤኹ፡ ትእዛዝካ ግና ኣዝዩ ርሒብ እዩ።
97
ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ፡ ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ ኣሎኹ።
98
ትእዛዛትካ ንሓዋሩ ምሳይ እዩ እሞ፡ ሓለፋ ጸላእተይ ኣለበመኒ።
99
ምስክራትካ ምስትንታነይ እዩ እሞ፡ ሓለፋ ዂሎም መምህራነይ ለባም ኰንኩ።
100
ትእዛዛትካ ሐልየ እየ እሞ፡ ሓለፋ እቶም ሽማግሌታት ኣእምሮ ኣሎኒ።
101
ቃልካ ምእንቲ ኽሕሉስ፡ ኣእጋረይ ካብ ክፉእ ዘበለ መገዲ ኸልከልኩ።
102
ንስኻ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፡ ካብ ፍርድኻ ኣይርሕቕን እየ።
103
ቃላትካ ንትንሓገይ እምብዛ ጥዑም እዩ፡ ንኣፈይ ካብ መዓር ዝበለጸ ይምቅር።
104
ሳላ ትእዛዛትካ ኣእምሮ ረኸብኩ፡ ስለዚ ዂሉ መገዲ ሓሶት ጸላእኩ።
105
ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ብርሃን እዩ።
106
ንፍርድታት ጽድቅኻ ኽሕሉ መሐልኩ፡ ኣጽናዕክዎ ኸኣ።
107
ኣዝየ ተጨነቕኩ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።
108
ዎ እግዚኣብሄር፡ ፍርድታትካ ምሀረኒ፡ እቲ ፈትየ ዘቕርበልካ መስዋእቲ ኣፈይ ባህ የብልካ።
109
ነፍሰይ ኲሉ ጊዜ ኣብ ኢደይ እያ፡ ኣነ ግና ሕግኻ ኣይርስዕን እየ።
110
ረሲኣን መፈንጠርያ ኣጻወዱለይ፡ ኣነ ግና ካብ ትእዛዛትካ ኣየግለስኩን።
111
ምስክራትካ ሓጐስ ልበይ እዩ እሞ፡ ንዘለኣለም ርስተይ ገበርክዎ።
112
ስርዓታትካ ንሓዋሩ ኽሳዕ መወዳእታ ኽገብር፡ ልበይ ኣድነንኩ።
113
ክልተ ዝልቦም ጸላእኩ፡ ሕግኻ ግና ፈቶኹ።
114
ንስኻ መዕቈብየይን ዋልታይን ኢኻ፡ ብቓልካ ተስፋ እገብር ኣሎኹ።
115
ትእዛዛት ኣምላኸይ ክሕሉስ፡ ኣቱም ሕሱማት፡ ካባይ ርሐቑ።
116
ብህይወት ክነብርሲ፡ ከም ቃልካ ደግፈኒ፡ ብተስፋይ ድማ ኣይተሕፍረኒ።
117
ምእንቲ ኽድሕን ደግፈኒ፡ ንስርዓታትካውን ኲሉ ጊዜ ኽቋመቶ እየ።
118
ተንኰሎም ሓሶት እዩ እሞ፡ ነቶም ካብ ስርዓታተካ ዜግልሱ ዂሎም ትረግጾም።
119
ንስኻ ንዂሎም ረሲኣን ምድሪ ኸም ሓርኢ ሓጺን ትጒሕፎም፡ ስለዚ ንምስክራትካ ኣፍቀርኩ።
120
ካብ ስምባድካ እተላዕለ ስጋይ ይርዕድ፡ ፍርድኻውን የሸብረኒ ኣሎ።
121
ፍርድን ጽድቅን እገብር ኣሎኹ፡ ነቶም ጠቓዕተይ ኣሕሊፍካ ኣይትሀበኒ።
122
ንባርያኻ ብሰናይ ተውሐሶ፡ ዕቡያት ኪጠቕዑኒ ኣይትፍቀደሎም።
123
ኣዒንተይ ብናፍቖት ምድሓንካን ቃል ጽድቅኻን ሐመቓ።
124
ከም ጸጋኻ ንባርያኻ ግበረሉ፡ ስርዓታትካ ኸኣ ምሀረኒ።
125
ኣነ ባርያኻ እየ፡ ምስክራትካ ኽፈልጥሲ፡ ኣእምሮ ሀበኒ።
126
ሕግኻ ኣፍሪሶም እዮም እሞ፡ እግዚኣብሄር ግብሩ ዚገብረሉ ጊዜ እዮ።
127
ስለዚ ንትእዛዛትካ ኻብ ወርቂ፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኣብሊጸ እፈትዎ ኣሎኹ።
128
ስለዚ ትእዛዛትካ ዘበለ ዂሉ ቕኑዕ ምዃኑ እቘጽሮ፡ መገዲ ሓሶት ዘበለ ኸኣ እጸልኦ ኣሎኹ።
129
ምስክራትካ መስተንክር እዩ፡ ስለዚ ነፍሰይ ትሕልዎ።
130
ምኽፋት ቃልካ የብርህ፡ ንገርህታት ኣእምሮ ይህብ።
131
ትእዛዛትካ ናፊቐ እየ እሞ፡ ኣፈይ ሃህ ኣቢለ እህህ እብል ኣሎኹ።
132
ከምቲ ነቶም ስምካ ዚፈትዉ እትገብረሎም፡ ተመለሰንን ምሐረንን።
133
ንስጒምተይ ኣብ ቃልካ ኣጽንዓዮ፡ እከይ ድማ ከቶ ኣይምለኸኒ።
134
ካብ መጥቃዕቲ ሰብ ተበጀወኒ፡ ኣነውን ትእዛዛትካ ኽሕሉ እየ።
135
ገጽካ ንባርያካ ኣብርሃሉ፡ ስርዓታትካ ኸኣ ምሀረኒ።
136
ሕግኻ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፡ ኣዒንተይ ወሓዚ ማይ የፍስሳ ኣለዋ።
137
ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ፡ ፍርድኻ ድማ ቅኑዕ እዩ።
138
ብጽድቅን ብዕዙዝ ሓቅን ምስክራትካ ኣዘዝካ።
139
ተጻረርተይ ቃልካ ረሲዖም እዮም እሞ፡ ቅንኣተይ ይበልዓኒ ኣሎ።
140
ቃልካ ኣዝዩ ጽሩይ እዩ፡ ባርያኻውን የፍቅሮ ኣሎ።
141
ኣነ፡ ንኡስን ንዑቕን እየ፡ ትእዛዛትካ ግና ኣይረሳዕኩን።
142
ጽድቅኻ ናይ ዘለኣለም ጽድቂ እዩ፡ ሕግኻውን ሓቂ እዩ።
143
መከራን ሽጋርን ረኸበኒ፡ ትእዛዛትካ ግና ደስታይ እዩ።
144
ምስክራትካ ንዘለኣለም ጽድቂ እዩ፡ ኣእምሮ ሀበኒ እሞ፡ ብህይወት ክነብር እየ።
145
ብምሉእ ልበይ እምህለል ኣሎኹ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ምለሰለይ፡ ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ።
146
ናባኻ ተማህለልኩ፡ ኣድሕነኒ፡ ምስክራትካውን ክሕሉ እየ።
147
ቅድሚ ወጋሕታ መጺኤ ኣእዌኹ፡ ንቓልካ እጽበ እኔኹ።
148
ንቓልካ ኼስተንትንሲ፡ ኣዒንተይ ነቶም ናይ ለይቲ ሓለውቲ ቐደማኦም።
149
ከም ሳህልኻ ድምጸይ ስማዕ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ።
150
ንሕሰም ዚስዕቡ ይቐርቡ ኣለዉ፡ ካብ ሕግኻ ረሐቑ።
151
ዎ እግዚኣብሄር፡ ቀረባ ኢኻ፡ ኲሉ ትእዛዛትካ ኸኣ ሓቂ እዩ።
152
ንዘለኣለም ከም ዝመስረትካዮ፡ ካብ ጥንቲ ጀሚረ ብምስክራትካ ፈለጥኩ።
153
ሕግኻ ኣይረሳዕኩን እሞ፡ መከራይ ርኢኻ ኣናግፈኒ።
154
ጠበቓይ ኩን እሞ ተበጀወኒ፡ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።
155
ረሲኣን ስርዓታትካ ኣይደልዩን እዮም እሞ፡ ምድሓንካ ኻብኦም ረሐቐ።
156
ዎ እግዚኣብሄር፡ ርሕራሔኻ ዓብዪ እዩ፡ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ።
157
ሰጐጒተይን ተጻረርተይን ብዙሓት እዮም፡ ኣነ ኻብ ምስክራትካ ኣየግለስኩን።
158
ቃልካ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፡ ንጠለምቲ ርእየ ፈንፈንክዎም።
159
ዎ እግዚኣብሄር፡ ንትእዛዛትካ ኸም ዘፍቅሮ ርኤ፡ ከም ሳህልኻ ህያው ግበረኒ።
160
ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ፡ ኲሉ ፍርዲ ጽድቅኻ ድማ ንዘለኣለም ይነብር።
161
መሳፍንቲ ብዘይ ምኽንያት ሰጐጉኒ፡ ልበይ ግና ቃልካ እዩ ዚፈርህ።
162
ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ፡ ብቓልካ ባህ ይብለኒ ኣሎ።
163
ንሓሶት እጸልኦን እፍንፍኖን፡ ንሕግኻ ግና ኤፍቅሮ ኣሎኹ።
164
ስለ ጽድቂ ፍርድኻ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ኤመስግነካ ኣሎኹ።
165
እቶም ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም፡ ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን።
166
ዎ እግዚኣብሄር፡ ንምድሓንካ ተጸቤኽዎ፡ ትእዛዛትካ ድማ ገበርኩ።
167
ነፍሰይ ንምስክራትካ ሐለወቶ፡ ኣዝየውን ኤፍቅሮ ኣሎኹ።
168
ኲሉ መገደይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ እሞ፡ ትእዛዛትካን ምስክራትካን ሐሎኹ።
169
ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣውያተይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፡ ከም ቃልካ ኣእምሮ ሀበኒ።
170
ምህለላይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፡ ከም ቃልካ ኣናግፈኒ።
171
ስርዓታትካ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፡ ከናፍረይ ምስጋናኻ ኼፈልፍላ እየን።
172
ኲሉ ትእዛዛትካ ጽድቂ እዩ እሞ፡ ልሳነይ ንቓልካ ኽትነግር እያ።
173
ትእዛዛትካ ሐርየ እየ እሞ፡ ኢድካ ረዳኢተይ ትኹን።
174
ጐይታየ፡ ምድሓንካ እናፍቕ ኣሎኹ፡ ሕግኻውን ደስታይ እዩ።
175
ንነፍሰይ ህያው ግበራ፡ ንሳ ኸኣ ከተመስግነካ እያ፡ ፍርድታትካውን ይርዳኣኒ።
176
ከም ጥፍእቲ በጊዕ ተባረርኩ፡ ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኩን እሞ፡ ንባርያኻ ድለዩ።
← Chapter 118
Chapter 120 →