bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 118
Psalms 118
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡
2
ምሕረቱ ንዘለኣለም ከም ዚነብር፡ እስራኤል ይበል።
3
ምሕረቱ ንዘለኣለም ከም ዚነብር፡ ቤት ኣሮን ይበል።
4
ምሕረቱ ንዘለኣለም ከም ዚነብር፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርህዎ ይበሉ።
5
ኣብ ጸበባይ ንእግዚኣብሄር ጸዋዕኩ፡ እግዚኣብሄር መለሰለይ ኣርሐበለይ ድማ።
6
እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፡ ኣይፈርህን፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ?
7
እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፡ ረዳእየይ እዩ፡ ኣብ ጸላእተይ ትምኒተይ ክርኢ እየ።
8
ካብ ኣብ ሰብ ምውካልሲ ኣብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሐይስ።
9
ካብ ኣብ መሳፍንቲ ምውካልሲ ኣብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሐይስ።
10
ኲሎም ኣህዛብ ከበቡኒ፡ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ።
11
ከበቡኒ፡ እወ ኸበቡኒ፡ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ።
12
ከም ንህቢ ኸበቡኒ፡ ከም ሓቂ ቘጥቋጥ ጠፍኡ፡ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ።
13
ከተውድቐኒ ኢልካ ደፋእካኒ፡ እግዚኣብሄር ግና ረድኣኒ።
14
ሓይለይን መዝሙረይን እግዚኣብሄር እዩ፡ ንሱውን ምድሓነይ ኰነ።
15
ኣብ ድንኳናት ጻድቃን ድምጺ እልልታን ምድሓንን ኣሎ፡ የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሄር ሓይሊ ትገብር።
16
የማነይቲ እግዚኣብሄር ልዕል ትብል፡ የማነይቲ እግዚኣብሄር ሓይሊ ይገብር ኣላ።
17
ብህይወት ክነብር እየ እምበር፡ ኣይክመውትን፡ ግብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ከዘንቱ እየ።
18
እግዚኣብሄር ኣዝዩ ቐጽዓኒ፡ ንሞት ግና ኣይወፈየንን።
19
ብእኤን ኣትየ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖስ፡ ደጌታት ጽድቂ ኽፈቱለይ።
20
ደገ እግዚኣብሄር እዚኣ እያ፡ ጻድቃን ብእኣ ኺኣትዉ እዮም።
21
ሰሚዕካኒ ምድሓነይውን ኴንካ ኢኻ እሞ፡ ከመስግነካ እየ።
22
ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ።
23
እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ነዒንትናውን ግሩም እዩ።
24
እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፡ ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን።
25
ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ።
26
እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና።
27
እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፡ ንሱውን ኣብረሀልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።
28
ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፡ ኤመስግነካ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ ልዕል ኤብለካ ኣሎኹ።
29
እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ።
← Chapter 117
Chapter 119 →