bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Proverbs 26
Proverbs 26
Amharic Tigrinya 2011
1
ከምቲ በረድ ንጽብሓት፡ ዝናም ከኣ ንቐውዒ፡ ከምኡውን ንዓሻ ኽብረት ኣይግብኦን።
2
ምኽንያት ዜብሉ መርገምሲ ኸምታ እትነፍር ጭሩ፡ ከምታ እትበርር ለዃዂቶ ኣይበጽሕን እዩ።
3
ሓለንጊ ንፈረስ፡ ልጓም ንኣድጊ፡ በትሪ ንዝባን ዓሻ እዩ።
4
ንስኻ ድማ ንእኡ ኸይትመስልሲ፡ ንዓሻ ኸም ዕሽነቱ ኣይትምለሰሉ።
5
ዓሻ፡ ጠቢብ ከም ዝዀነ ኸይመስሎስ፡ ከም ዕሽነቱ ምለሰሉ።
6
እቲ ብኢድ ዓሻ መልእኽቲ ዚሰድድ ባዕሉ ኣእጋሩ ይቘርጽ እሞ መከራ ይሰቲ።
7
ኣእጋር መጻጒዕ ጠልጠል ይብላ፡ ምስላ ኸኣ ኣብ ኣፍ ዓያሱ ኸምኡ እዩ።
8
ንዓሻ ኽብረት ምሃብሲ፡ ከምቲ ኸረጺት ዕንቊ ናብ ኲምራ እምኒ ምድርባይ እዩ።
9
ምስላ ኣብ ኣፍ ዓያሱ ኸም እሾኽ ኣብ ኢድ ሰካር እዩ።
10
እቲ ምስ ዓሻን ምስ ሓላፍ መገድን ዚውዓዐል፡ ከምቲ ንዝረኸበ ዚወግእ ወርዋር ፍላጻ እዩ።
11
ከልቢ ናብ ትፋኡ ኸም ዚምለስ፡ ዓሻ ኸምኡ ንዕሽነቱ ይደጋግሞ።
12
ኣነ ጥበበኛ እየ፡ ዚብል ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ ካብ ብእኡስ ብዓሻ ተስፋ ምግባር ይበልጽ።
13
እቲ ሃካይ፡ ኣብ መገዲ ኣንበሳ ኣሎ፡ ኤረ ኣብ ኣደባባይ ኣንበሳ ኣሎ፡ ይብል።
14
ከምቲ ማዕጾ ኣብ ወንድወንዶኡ፡ ሃካይውን ከምኡ ኣብ ዓራቱ ይዘውር።
15
ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ እሞ፡ ናብ ኣፉ ምምላሳ ድኻም ይዀኖ።
16
ሃካይሲ ኻብ ሾብዓተ ሰብ ብምስትውዓል ዚመልሱ ንሱ ብጥበብ ዝበለጸ ይመስሎ።
17
እቲ ናብ ዘይነገሩ ዚኣቱ ሓላፍ መገዲ ከምቲ ንእዝኒ ኸልቢ ዚሕዝ እዩ።
18
እቲ ንብጻዩ ጠቢርዎስ፡ ክጻወተካ እየ ዝገበርክዎ፡ ዚብል እያድን ፍላጻን ሞትን ከም ዚውርውር ዕቡድ እዩ።
19
እቲ ንብጻዩ ጠቢርዎስ፡ ክጻወተካ እየ ዝገበርክዎ፡ ዚብል እያድን ፍላጻን ሞትን ከም ዚውርውር ዕቡድ እዩ።
20
ዕጨይቲ እንተ ተወድኤ፡ ሓዊ ይጠፍእ፡ ሓማዪ እንተ ዘየሎ ኸኣ ባእሲ ይውዳእ።
21
ከሰል ንጓህሪ፡ ዕጨይቲ ንሓዊ ኸም ዚኸውን፡ ናግራም ሰብኣይ ከኣ ከምኡ ባእሲ የሳውር።
22
ዘረባ ሓማዪ ኸም ጥዑም ኲላሶ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ውሽጢ መዓንጣ ይወርድ።
23
ርሱን ከናፍርን እኩይ ልብንሲ ብዓፍራ ብሩር ከም እተለበጠ ኣቕሓ መሬት እዩ።
24
ጸላኢ ብኸናፍሩ የምስል፡ ኣብ ውሽጡ ግና ጥበራ የንብር።
25
ኣብ ልቡ ሾብዓተ ዜፈንፍን ኣለዎ እሞ፡ ድምጹ ኣልዚቡ እንተ ተዛረበ እኳ፡ ኣይትእመኖ።
26
ጽልኢ ብተንኰል እንተ ተሐብኡ እኳ፡ ክፍኣቱስ ኣብ ማሕበር ኪቅላዕ እዩ።
27
ጒድጓድ ዚዂዕት ኣብኣ ይወድቕ፡ እምኒ ዜንከባልል ከኣ ንሳ ትምለሶ።
28
ሓሳዊት ልሳን ነቶም ዘቚሰለቶም ትጸልኦም፡ መቀባጠሪ ኣፍ ከኣ ጥፍኣት የምጽእ።
← Chapter 25
Chapter 27 →