bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Proverbs 27
Proverbs 27
Amharic Tigrinya 2011
1
መዓልቲ እትወልዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ብጽባሕ ኣይትመካሕ።
2
ካልእ ይንኣድካ ኣፍካ ኣይኰነን፡ ጓና እምበር፡ ከናፍርካ ኣይኰነን።
3
እምኒ ኸቢድ እዩ፡ ሑጻ ኸኣ ረዚን እዩ፡ ካብ ክልቲኡ ግና እንጽርጽሮት ዓሻ ይኸብድ።
4
ቊጥዓ ጨካን እዩ፡ ኲራውን ውሒዝ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ቕንኢ ግና መን ደው ይብል
5
ካብ ሕቡእ ፍቕሪ ግሉጽ ተግሳጽ ይሐይሽ።
6
ናይ ፈታዊ ምቚሳል እሙን እዩ፡ ጸላኢ ግና ኣብዚሑ ይስዕም።
7
ዝጸገበት ነፍስስ ወለላ መዓር ትረግጽ፡ ንዝጠመየት ነፍሲ ግና ኲሉ መሪር እኳ ጥዑም እዩ።
8
ካብ ቤቱ ወጺኡ ዚዂብልል ሰብ፡ ቤታ ሓዲጋ ኸም እትዂብልል ዑፍ እዩ።
9
ቅብኣን ዕጣንን ንልቢ የሐጒሶ፡ ጣዕሚ ፈታዊ ምስናይ ምኽሪ ነፍሱ ኸኣ ከምኡ እዩ።
10
ፈታዊኻን ፈታው ኣቦኻን ኣይትሕደግ፡ ብመዓልቲ ጸበባኻ ናብ ቤት ሓውካ ኣይትኺድ፡ ካብ ርሑቕ ዘሎ ሓውስ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጐረቤት ይሐይሽ።
11
ወደየ፡ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃብ ክኽእልሲ፡ ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይውን ኣሐጒሶ።
12
ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ፡ ገርህታት ግና ንቕድሚት ይኸዱ እሞ ብእኡ ይጒድኡ።
13
ነቲ ንጓና እተዋሕሰ ኽዳኑ ውሰደሉ፡ ኣብ ክንዲ እታ ጓና ኻብኡ ታሕዚ ውሰድ።
14
እቲ ኣንጊሁ ዓው ኢሉ ንብጻዩ ዚምርቖ፡ ከም ዚረግም ዚቚጸር።
15
ብመዓልቲ ጥሚቕ ከየቛረጸ ዚነጥብ ቤትን ናግራም ሰበይትን ሓደ እዮም።
16
ንእኣ ምዕጋትሲ ንንፋስ ምዕጋትን ብየማነይትኻ ዘይቲ ምዕማዂን እዩ።
17
ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ።
18
ንበለስ ዚከናኸን፡ ፍሬኡ ይበልዕ፡ ንጐይታኡ ዚከናኸን ከኣ ይኸብር።
19
ከምቲ ገጽ ንገጽ ኣብ ማይ ዚርእዮ፡ ከምኡ ኸኣ ልቢ ሰብ ንሰብ ይርእዮ።
20
ሲኦልን መዓሙቚን ከቶ ኣይጸግቡን፡ ከምኡውን ኣዒንቲ ሰብ ኣይጸግባን እየን።
21
መምከኺ ንብሩር፡ እቶን ንወርቂ እዩ፡ ሰብ በቲ ዚነኣዶ ይፍለጥ።
22
ንዓሻ ኣብ ሞጒእ ምስ ጒርዲ ብንኢ እንተ ትጐድኦ እኳ፡ እቲ ዕሽነቱ ኣይምሐደጎን።
23
ሃብቲ ንሓዋሩ ዘውዲውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ሃለዋት ኣባጊዕካ ኣጸቢቕካ ፍለጥ፡ ንልብኻ ኣብ መጓሴኻ ኣንብሮ።
24
ሃብቲ ንሓዋሩ ዘውዲውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ሃለዋት ኣባጊዕካ ኣጸቢቕካ ፍለጥ፡ ንልብኻ ኣብ መጓሴኻ ኣንብሮ።
25
ዕላም ሐሊፉ ለቅሚ በቚሉ፡ ኣብ ኣኽራን ድማ መኸል ተኣኪቡ።
26
ዕያውቲ ንኽዳንካ፡ ድቤላውን መዓደግ ግራት ኣሎካ፡
27
ጸባ ኣጣል ድማ ንምግብኻን ንምግቢ ስድራኻን ንቐለብ ኣግራድካን ኪኣክል እዩ።
← Chapter 26
Chapter 28 →