bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Proverbs 25
Proverbs 25
Amharic Tigrinya 2011
1
እዘን ምስላታት እዚኤን ድማ ናይ ሰሎሞን እየን፡ ናይ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሰባት ከኣ ኣኻኽብወን።
2
ክብሪ እግዚኣብሄር ምስዋር ነገር እዩ፡ ክብሪ ነገስታት ግና ምምርማር ነገር እዩ።
3
ልዕልና ሰማይን መዓሙቚ ምድርን ልቢ ነገስታትን ኣይተመርማርን እዩ።
4
ንብሩር ካብ ዛዕጉ ኣጽርዮ እሞ፡ ሽዑ ነንጠረኛ ኣቕሓ ይወጸሉ።
5
ንረሲእ ካብ ቅድሚ ንጉስ ኣርሕቆ፡ ሽዑ ዝፋን ንጉስ ብጽድቂ ይጸንዕ። ሳ
6
ኣብ ቅድሚ እቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ መስፍን ካብ እትዋረድሲ፡ ናብዚ ልዕል በል፡ ኪብሉኻ ይሕሸካ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣይትጀሀር፡ ኣብ ቦታ ዓበይቲ ኣይትቑም።
7
ኣብ ቅድሚ እቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ መስፍን ካብ እትዋረድሲ፡ ናብዚ ልዕል በል፡ ኪብሉኻ ይሕሸካ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣይትጀሀር፡ ኣብ ቦታ ዓበይቲ ኣይትቑም።
8
ብጻይካ ምስ ኣሕፈረካ፡ ኣብ መወዳእታ እትገብሮ ኸይጠፍኣካስ፡ ናብ ባእሲ ኣይትቐልጥፍ።
9
ዝሰምዔ ኸይጸርፈካ፡ ስምካ ኸኣ ከይከፍእሲ፡ ነገርካ ምስ ብጻይካ ተማጻረ፡ ምስጢር ካልእ ግና ኣይትቕላዕ።
10
ዝሰምዔ ኸይጸርፈካ፡ ስምካ ኸኣ ከይከፍእሲ፡ ነገርካ ምስ ብጻይካ ተማጻረ፡ ምስጢር ካልእ ግና ኣይትቕላዕ።
11
ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር እዩ።
12
ንትሰምዕ እዝንስ ጥበበኛ ገሳጺ ኸም ቀለቤት ወርቂን ከም ስልማት ጽሩይ ወርቅን እዩ።
13
እሙን ልኡኽ ነቶም ዚልእክዎ ኸምቲ ዛሕሊ ውርዕጪ ብጊዜ ቐውዒ እዩ፡ ንሱ ንነፍሲ ጐይታኡ የቕስና።
14
ብዛዕባ ህያብ ብሓሶት ዚጅሀር ሰብሲ፡ ከምቲ ዝናም ዜብሉ ደበናን ንፋስን እዩ።
15
ፈራዲ ብትዕግስቲ ይቕልስ፡ ልዙብ መልሓስ ከኣ ኣዕጽምቲ ይሰብር።
16
መዓር እንተ ረኸብካ፡ እምብዛ ኸይትጸግብ እሞ ከይትተፍኦስ፡ ዚኣኽለካ ብላዕ።
17
ብጻይካ ኸይመንወካ እሞ ከይጸልኣካስ፡ ናብ ቤቱ እግርኻ ኣይተዘውትር።
18
እቲ ኣብ ብጻዪ ሓሶት ዚምስክርሲ ሞደሻን ሰይፍን በሊሕ ፍላጻን እዩ።
19
ጠላሚ ሰብ ብመዓልቲ ጸበባ ንዚጽግዖ፡ ብዂባዂ ስገን መንሳተቲ እግርን እዩ።
20
ንሕዙን ልቢ ደርፊ ዚደርፈሉስ ከምቲ ብጊዜ ቚሪ ንመደረብታኡ ዚቕንጥጦን ኣብ ጨው ከኣ መጺጽ ዜእትውሉን እዩ።
21
ጸላኢኻ እንተ ተመየ፡ እንጌራ ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን፡ ማይ ኣስትዮ።
22
በዚ ኸምዚ ጓህሪ ኣብ ርእሱ ትእክብ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኪፈድየካ እዩ።
23
ንፋስ ሰሜን ዝናም የምጽእ፡ ሓማይት ልሳን ከኣ ገጽ ተጸውግ።
24
ካብ ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ፡ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ።
25
ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጸ ብስራት፡ ከም ዝሑል ማይ ንዝጸምኤት ነፍሲ እዩ።
26
ኣብ ቅድሚ ረሲእ ሰንከልከል ዚብል ጻድቕ፡ ከምቲ እተዘርገ ዓይኒ ማይን ከም ዝሰበበ ዔላን እዩ።
27
መዓር ኣብዚሕካ ምብላዕ ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ከምኡውን ከቢድ ነገር ምምርማር ዜሸግር እዩ።
28
መንፈሱ ዘይገትእ ሰብሲ ቐጽሪ ዜብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ።
← Chapter 24
Chapter 26 →