bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Hosea 12
Hosea 12
Amharic Tigrinya 2011
1
ኤፍሬም ንፋስ ይምገብ፡ ደድሕሪ ንፋስ ምብራቕ ከአ ይስዕብ፡ ኩሉ መዓልቲ ሓሶትን ዓመጽን የብጽሕን፡ ምስ ኣሶር ኪዳን ይአትው፡ ናብ ግብጺውን ዘይቲ ይወስዱ።
2
እግዚኣብሄር ምስ ይሁዳውን ነገር ኣለዎ፡ ንያእቆብ ከአ ከም መጠን መገዱ ኪቐጽዖ፡ ከም መጠን ግብሩ ድማ ኪፈድዮ እዩ።
3
ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ኸሎ ንሓው ብኹርኹሪኡ ሐዞ፡ ብምብርታዑ ኸአ ምስ ኣምላኽ ተቓለሰ።
4
ምስ መልኣኽ ተቓለሰ እሞ ኣሰነፈ፡ በኸየ፡ ለመኖ ኸአ ኣብ ቤትኤል ረኸቦ፡ ኣብኡውን ተዛረበና።
5
ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ስም መዘከርታኡ ድማ እግዚኣብሄር እዩ።
6
እምበኣርሲ ናብ ኣምላኸካ ተመለስ፡ ምሕረትን ፍርድን ሐሉ፡ ኩሉ ጊዜ ብኣምላኽካ ተስፋ ግበር።
7
ከንኣናዊ እዩ፡ ኣብ ኢዱ ሓሳዊ ሚዛን አለዎ፡ ምጥዋይ ይፈቱ።
8
ኤፍሬም ከአ፡ ኣነ ሀብተምኩ፡ ገንዘብ ኣጥሬኹ፡ ኣብ ኩሉ ጻዕረይ ሓጢኣት ዚኸውን ኣበሳ ኣይርከበንን በለ።
9
ኣነ ኻብ ሃገር ግብጺ ጀሚረ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ፡ ከምቲ ብመዓልቲ በዓል ከም ብሓድሽ ኣብ ድንኳናት ክንብረካ እየ።
10
ንነብያትካ ከአ ተዛረብኩ፡ ራእይ ድማ ኣብዛሕኩ፡ ብነብያት ገይረ ምስላታት ነገርኩ።
11
ጊልዓድ ዓመጻ እንተ ኾነ፡ ከንቱነት ጥራይ እዮም። ኣብ ጊልጋል ዝራብዓት ይስውኡ፡ መሰውኢታቶም ከአ ኣብ ነግሒ ግራት ከም እተኾመረ ኣእማን ኪኸውን እዩ።
12
ያእቆብ ናብ ሃገር ኣራም ሀደመ፡ እስራኤል ድማ ምእንቲ ሰበይቲ ተገዝኤ፡ ምእንቲ ሰበይቲ ኸአ ጓሳ ኾነ።
13
ግናኸ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ብኢድ ነብዩ ኻብ ግብጺ ኣውጽኦ፡ ብኢድ ነብዩ ኸአ ሐለዎ።
14
ኤፍሬም ኣምሪሩ ኣቖጥዖ ስለዚ ጎይትኡ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ ኼውርደሉ፡ ጸርፉውን ኣብ ልዕሊኡ ኺመልሰሉ እዩ።
← Chapter 11
Chapter 13 →