bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Hosea 13
Hosea 13
Amharic Tigrinya 2011
1
ኤፍሬም ምስ ዚዛረብ፡ ስምባድ ይኸውን ነበረ። ንሱ ኣብ እስራኤል ልዕል በለ፡ ንበዓል ብምግልጋሉ ምስ በደለ ግና ሞተ።
2
ሕጂ ኸአ እናወሰኹ ሓጢኣት ይገብሩ አለው። ንሳቶም ንርእሶም ከም ምስትውዓሎም ገይሮም ጣኦታት፡ ብብሩሮም ፍሱስ ምስልታት፡ ይገብሩ አለው፡ ኩሎም ዕዮ ብልሓተኛታት እዮም። ብዛዕባኦም ከአ፡ እቶም ዚስውኡ ሰባት ነቶም ብተያት ይሳለምዎም፡ ይብሉ።
3
ስለዚ ንሳቶም ከም ደበና ብጊሓት፡ ከምቲ ኣንጊሁ ዚዘፍፍ አውሊ፡ ከምቲ ካብ ዓውዲ ብንፋስ ዚብተን ብቑብቑ፡ ከምቲ ብመስኮት ዚወጽእ ትኪ ይኾኑ
4
ግናኸ ኣነ ኻብ ሃገር ግብጺ ጀሚረ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ፡ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይትፈልጥን ኢኻ፡ ብጀካይ ድማ መድሓኒ የልቦን።
5
ኣነ ኣብ ምድረ በዳ፡ ኣብ ምድረ ኣጻምእ ፈለጥኩኻ።
6
ብመጠን መጓሰዩኦም ጸገቡ እሞ ልቦም ተዐበየ፡ ስለዚ ረስዑኒ።
7
ኣነ ድማ ከም ኣንበሳ ኾንክዎም፡ ከም ነብሪ ኸአ ኣብ መገዲ ኣዴቢ አሎኹ።
8
ኮራኩራ ኸም ዘግደፍዋ ድቢ ኾይነ ህሩጉ እብሎም፡ ነቲ መሸፈኒ ልቦም ከአ እቐዶ፡ ኣብኡ ድማ ከም ዋዕሮ እውሕጦም፡ ኣራዊት በረኻውን ይሰላልዕዎም።
9
ዎ እስራኤል፡ ንኣይ ንሓገዝካ ምጽራርካ ጥፍኣትካ እዩ።
10
ንጉስካ ኣብ ኩለን ከተማታትካ ኼድሕነካ አበይ አሎ፡ እቶም ብዛዕባኦም፡ ንጉስን መሳፍንትን ሀበኒ፡ ዝበልካሎም ፈራዶኻከ ኣበይ አለው።
11
ብኹራይ ንጉስ ሀብኩኻ፡ ብቑጥዓይ ድማ ክሰዕሮ እየ።
12
ኣበሳ ኤፍሬም ተጠሚሩ፡ ሓጢኣቱ ተነቢሩ አሎ።
13
ከም እትሐርስ ሰበይቲ ቐልውላው ይመጾ፡ ጊዜ ምስ በጽሔ፡ ንምላድ ኣይቀርብን እዩ እሞ፡ ዘይለባም ወዲ እዩ።
14
ኣብ ኢድ ሲኦል ኤድሕኖም፡ ካብ ሞት እብጀዎም፡ ኣታ ሞት፡ ፌራኻ ኣበይ አሎ፡ ኣታ ሲኦል፡ ጥፍኣትካ ኣበይ አሎ፡ ጣዕሳ ኻብ ኣዒንተይ ተሓብኤት።
15
ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ፍረ ይፈሪ፡ ንፋስ ምብራቕ፡ እቲ ኻብ ምድረ በዳ ይፈሪ፡ ንፋስ ምብራቕ፡ እቲ ኻብ ምድረ በዳ ዚወጽእ ንፋስ እግዚኣብሄር ይመጽእ፡ ዓይኒ ማያቱ ኸአ ይነቅጽ፡ ወሓዚታቱውን ይነጽፍ፡ ዕቋሩን ኩሉ ኽቡር ኣቓሑኡን ንሱ ይዘምቶ።
16
ሰማርያ ኻብ ኣምላኽ ኸዲዓ እያ እሞ፡ ብበአላ ትቕጻዕ፡ ብሰይፍ ይወድቁ፡ ሕጻናቶም ይጭፍለቑ፡ ጥኑሳት ኣንስቶም ከአ ይቕደዳ።
← Chapter 12
Chapter 14 →