bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Hosea 11
Hosea 11
Amharic Tigrinya 2011
1
ንእስራኤል ሕጻን ከሎ ኣፍቀርክዎ፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ።
2
ብመጠን እቲ ዝጸውዕዎም ካብ ገጾም ረሐቑ፡ ንበዓሊም ሰውኡ ንጣኦታት ከአ ዐጠኑ።
3
ኣነ ንኤፍሬም ኣታቴኽዎ፡ ብቕልጽመይ ሓቖፍክዎም፡ ግናኸ ኣነ ኸም ዘሕዌኽዎም፡ ኣይፈለጡን።
4
ኣነ ብገመድ ሰብ፡ ብማእሰር ፍቕሪ ሰሐብክዎም፡ ከምቲ ኻብ ምንጋጋኦም ኣርዑት ዜልዕል ኮንክዎም፡ ብልዒውን ኣቕረብኩሎም።
5
ናብ ሃገር ግብጺ ኣይምለስን፡ ግናኸ ምምላስ ስለ ዝአበዩ፡ ኣሶራዊ ይነግሶ።
6
ስለ እቲ እተማኸርዎ ምኽሮም ከአ ሰይፊ ኣብ ከተማታቱ ኼንበጥብጥ፡ ንመሀርሃሪታቱ ድማ ኪኾሞን ኪውሕጦን እዩ።
7
ህዝበይ ካባይ ንምኽዳዕ ልቢ ተሰቕለ፡ ናብቲ ልዑል ጸዊዖምዎም ክነሶም፡ ልዕል ዚብል ሓደ እኳ የልቦን።
8
ዎ ኤፍሬም፡ ከምይ ገይረ ኽሐድገካ፡ ዎ እስራኤል፡ ከምይ ገይረ ኣሕሊፈ ኽህበካ፡ ከም ኣድማዶ ኽገብረካ፡ ከም ጸቦይምዶኸ ኽንብረካ እየ፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተናወጸ፡ ኩሉ ምሕረተይ ነደደ።
9
ኣነስ ኣምላኽ እየ፡ ሰብ ኣይኮንኩን፡ ኣብ ማእከልካውን ቅዱስ እየ እምበር፡ ብነድሪ ቑጥዓ ኣይመጽእን እየ እሞ፡ ሃና ነድረይ ኣይወጽእን እየ፡ ንኤፍሬም ከጥፍእ ኢለ ድማ ኣይምለስን እየ።
10
ንሱ ይጓዝም፡ እቶም ደቂ ኸአ ካብ ምዕራብ እናንቀጥቀጡ ይመጹ እሞ፡ ንሳቶም ደድሕሪ እቲ ኸም ኣንበሳ ዚጓዝም እግዚኣብሄር ይኸዱ።
11
ካብ ግብጺ ኸም ዑፍ፡ ካብ ሃገር ኣሶር ከም ርግቢ እናንቀጥቀጡ ይመጹ፡ ኣነውን ኣብ ኣብይቶም ከንብሮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
12
ኤፍሬም ብሓሶት ቤት እስራኤል ከአ ብተንኮል ከበቡኒ፡ ይሁዳ ግና ነቲ ቅዱስ እሙን ኮይኑ ምስ ኣምላኽ ይነግስ።
← Chapter 10
Chapter 12 →