bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Hosea 10
Hosea 10
Amharic Tigrinya 2011
1
እስራኤል ብዙሕ ዝጨናፍሩን ብዙሕ ፍረ ዚፈርን ወይኒ እዩ። ከም መጠን ምብዛሕ ፍሬኡ መሰውኢታት ኣብዝሔ፡ ከም መጠን ምጽባቕ ሃገሩ ሓወልትታት ኣጸበቐ።
2
ልቦም ተመቕለ፡ ሕጂ ገበነኛታት ኮይኖም ተረኽቡ። ንሱ ንመሰውኢታቶም ይሰባብሮም፡ ንሓወልትታቶም ከኣ ሓሸምሸም የብሎ።
3
ኤረ ሕጂስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈራህናዮን እም፡ ንጉስ የብልናን፡ ንጉስከ እንታይ ኪገብረና እዩ፡ ይብሉ።
4
ዘረባ ይዛረቡ፡ ብሓሶት ይምሕሉ፡ ኪዳን ይአትው፡ ስለዚ ፍርዲ ኸም መርዛም ሳዕሪ ኣብ ነግሒ ግራት ይበቁል።
5
እቶም ኣብ ሰማርያ ዚነብሩ ስለ እቲ ብተይ ቤትኣዌን ይፈርሁ። ክብረቱ ኻብኡ ስለ ዝኸደ፡ እቲ ህዝቢ ንእኡ ይሓዝነሉ፡ እቶም ካህናት ጣኦታቱ ድማ ስሊኡ የንቀጥቅጡ።
6
ንሱ እኳ፡ ንንጉስ ያሬብ ኪውሀብሲ፡ ናብ ኣሶር ይውሰድ። ኤፍሬም ይሐፍር፡ እስራኤል ከአ ብምኽሩ ይሐንኽ።
7
ሰማርያ ምስ ንጉስ ኸም ዓፍራ ኣብ ልዕሊ ማይ ትጠፍእ።
8
እቲ በረኽቲ ቦታ ኣዌን፡ ሓጢኣት እስራኤልውን፡ ይጠፍእ፡ ኣብ ልዕሊ መሰውኢኦም እሾኽን ተኾርባን ይበቁል። ንሳቶም ከአ ነኽራን ክደኑና፡ ንኹርባታት ድማ ውደቑና፡ ይብልዎም።
9
ዎ እስራኤል፡ ካብ መዓልትታት ጊብዓ ጀሚርካ ሓጢኣት ገበርካ፡ ንሳቶም ኣብኡ ቖሙ፡ እቲ ኣብ ደቂ ኣበሳ ዝኾነ ውግእ ኣብ ጊብዓ ኣይረኸቦምን እዩ።
10
ከም ፍቓደይ ክቐጽዖም እየ፡ ኣብቲ ኽልተ ሓጢኣቶም ምስ ተአስሩ፡ ህዝብታት ንጉድኣቶም ኪእክቡ እዮም።
11
ኤፍሬም መኼዳ ዝለመደት እሞ መኼዳ እትፈቱ ኣርሒ እዩ፡ ኣነ ግና በቲ ጽቡቕ ክሳዳ ሓለፍኩ። ንኤፍሬም ክጸምዶ እየ፡ ይሁዳ ኺሐርስ፡ ያእቆብውን ኪጉልጉል እዩ።
12
ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ጽድቂ ኸአ ክሳዕ ዜዝንመሎምሲ፡ ንእግዚኣብሄር እትደልዮሉ ጊዜ እዩ እሞ፡ ንኣኻትኩም ብጽድቂ ዝርኡ፡ ከም መጠን ምሕረቱ ኸአ ዕጸዱ፡ ሓድሽ ጽግዒውን ጽግኡ።
13
ንስኻ ብመገድኻ፡ ብብዝሒ ጀጋኑኻ ተአሚንካ ኢኻ እሞ፡ ረሲእነትካ ሐረስኩም፡ ኣበሳ ዐጸድኩም፡ ፍረ ሓሶት ባላዕኩም።
14
ከምቲ ብመዓልቲ ውግእ እታ ኣደ ምስ ደቃ ኽትጭፍለቕ ከላ፡ ሳልማን ንቤትኣርብኤል ዘጥፍኣ፡ ኣብ ማእከል ህዝብኻ ታዕታዕ ኪለዐል፡ ኩሉ ዕርድታትካውን ኪፈርስ እዩ።
15
ብሰሪ ሕሰም ክፍኣትኩም ቤትኤል ከምኡ ይገብረኩም፡ ምድሪ ኺወግሕ ከሎ ድማ፡ ንጉስ እስራኤል ጥራስ ይጠፍእ።
← Chapter 9
Chapter 11 →