bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ecclesiastes 11
Ecclesiastes 11
Amharic Tigrinya 2011
1
ንእንጌራኻ ናብ ልዕሊ ማይ ስደዶ፡ ከምይሲ ድሕሪ ብዙሕ መዓልታት ክትረኽቦ ኢኻ።
2
ከመይ ዝበለ መከራ ኣብ ምድሪ ኸም ዚመጽእ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ኣብ ሾብዓተ፡ ኤረ ኣብ ሾሞንተ ምቐሎ።
3
ደበናስ ሰርቢ እንተ መልአ፡ ናብ ምድሪ የፍስሶ። ኦም ከአ ናብ ደቡብ ወይስ ናብ ሰሜን ኣቢላ እንተ ወደቐት፡ እታኦም ኣብቲ ዝወደቐትሉ ቦታ ኣብኡ ትነብር።
4
ንንፋስ ዚምልከት ኣይዘርእን፡ ንደበና ዚጥምት ድማ ኣይዐጽድን እዩ።
5
ከምቲ ንመገዲ ንፋስ ዘይትፈልጦ፡ ከምቲ ኣዕጽምቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ኸመይ ኢሉ ኸም ዚውጡን ዘይትፈልጦ፡ ከምኡውን ንግብሪ እቲ ኹሉ ዝነገረ ኣምላኽ ኣይትፈልጦን ኢኻ።
6
ኣየናዩ ኸም ዚበቁል፡ እዚ ወይ እቲ ወይስ ክልቲኦም ሓቢሮም እንተ ጸበቑ፡ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ፡ ንምሸትውን ኢድካ ኣይተብኩር።
7
ብርሃን ጥዑም እዩ፡ ኣዒንቲ ንጸሃይ ኪጥምታአ ኸለዋ ኸአ ባህ ይብለን።
8
ሰብሲ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ አነበረ፡ ብኹላተን ይተሐጎስ፡ ግናኸ እተን መዓልትታት ጸልማት ከም ዝበዝሓ ይዘክር። እቲ ዚመጽእ ዘበለስ ኩሉ ኸንቱነት እዩ።
9
ኣታ ወዲ፡ ብንእስነትካ ባህ ይበልካ፡ በዘን መዓልትታት ንእስነትካ ልብኻ የሖጉስካ፡ በመገዲ ልብኻን ብምጥማት ኣዒንትኻን ተመላለስ። ግናኸ ኣምላኽ ብዛዕባዚ ኹሉ ኣብ ፍርዲ ኸም ዚቑመካ ፍለጥ።
10
ንእስነትካ ብጽሕነትን ከንቱነትን እዩ እሞ፡ ስለዚ ጓሂ ልብኻ፡ ሕሰም ካብ ስጋኻ ኣርሕቆ።
← Chapter 10
Chapter 12 →