bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ecclesiastes 12
Ecclesiastes 12
Amharic Tigrinya 2011
1
ክፉእ መዓልታት ከይመጸ፡ ባህ ኣይበለንን እትበለሉ ዓመታት ከአ ኸይቀረበ ኸሎ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።
2
ጸሓይን ብርሃንን ወርሕን ከዋኽብትን ከይጸልመቱ፡ ደበንታት ከአ ድሕሪ ዝናም ከይተመልሰ፡
3
በታ ሓለውቲ ቤት ዜንቀጥቅጡላ፡ ብርትይዓት ሰብኡት ዚጉብጡላ፡ ጠሓንቲ ስለ ዝወሓዳ ዜብኩረላ፡ ጠማቶውን ኣብ መሳኹቲ ዚጽልምቱላ፡
4
ኣብ ኣደባባይ ዜእቱ ደጌታት ከአ ዚዕጸወላ መዓልቲ፡ ደሀይ መጥሓን ምስ ላሸወ፡ ድምጺ ኣዕዋፍ ሰሚዑ ምስ ዚትንስእ፡ ኩለን ደረፍቲ ኣዋልድ ድማ ምስ ላሕተታ፡
5
ሽዑ ንበረኸቲ ይፈርሁ፡ ኣብ መገዲውን ይስምብዱ፡ ለውዚ ትዕምብብ፡ ኣንበጣ እኳ ይኸብድ፡ ቀመም ከአ ዊንታ ኣየለዐዕልን፡ ሰብ ናብ ናይ ዘለአለም ማሕደሩ ይኸይድ እሞ፡ መልቀስቲ ኣብ ኣደባባያት ይዞሩ።
6
ድሪ ብሩር ከየተበትከ፡ ፍዮ ወርቂ ኸይተጨፍለቐ፡ ዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ ከይተሰብረ፡ መዘወር ኣብ ዔላ ኸይተጨፍለቐ፡
7
መሬት ድማ፡ ከምቲ ዝነበሮ፡ ናብ ምድሪ ኸይተመልሰ፡ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ፈጣሪኻ ዘክሮ።
8
ናይ ከንቱነታት ከንቱነት፡ ኩሉ ከንቱነት እዩ፡ ይብል እቲ ሰባኺ።
9
ምስናይዚ ግና እቲ ሰባኺ ጥበበኛ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ህዝቢ ፍልጠት መሀሮ፡ ኣስተንተነ፡ መርመረ፡ ብዙሕ ምስላታት ከአ ሰርዔ።
10
እቲ ሰባኺ ባህ ዜብል ቃላት ኪረክብ ደለየ፡ እቲ ጽሑፍ ከአ ቅኑዕን ቃላት ሓቅን እዩ።
11
ቃላት ጠቢባን ከም ሸኻል እዩ፡ ንሱ ኸአ ንእኩባት መምህራን ኣጸቢቑ እተሸንከረ ሽንካራት እዩ፡ ብሓደ ጓሳ እተወህበ ኸአ እዩ።
12
ብዝተረፈ፡ ወደየ፡ መጻሕፍቲ ምጽሓፍ መወዳእታ የብሉን፡ ብዙሕ ምምሃር ድማ ንስጋ የድክሞ እዩ እሞ፡ ተጠንቀቕ።
13
መፈጸምታ ኹሉ እቲ ነገር ንስማዕ፡ እዚ ናይ ሰብ ኩለንትና እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱውን ሐልዎ።
14
ኣምላኽሲ ንኹሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን፡ ሰናይ ኮነ ወይስ እኩይ፡ ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ።
← Chapter 11