bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ecclesiastes 10
Ecclesiastes 10
Amharic Tigrinya 2011
1
ምውት ጽንጽያ ነቲ ቕብኢ ናይ ብዓል ቅዱይ ሽቱ የጭንዎን የመሽምሾን፡ ንእሽቶ ዕሽነት ከአ ንጥበበን ክብርን ተበላሽዎ።
2
ልቢ ጥበበኛ ኣብ የማኑ፡ ልቢ ዓሻ ግና ኣብ ጸጋሙ እዩ።
3
ዓሻ ድማ ብመገዲ እኳ እንተ ተመላለሰ፡ ኣእምሮስ የብሉን፡ ንኹሉውን ዓሻ ምዃኑ ይነግር።
4
መንፈስ ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ተላዕለ ትዕግስቲ ንዓብዩ ኣበሳ ተህድእ እያ እሞ፡ ስፍራኻ ኣይትሕደግ።
5
ከምቲ ኻብ ገዛኢ ዝወጸ ጌጋ ኣብ ትሕቲ ዝርኤኽዎ እከይ ኣሎ፡
6
ዕሽነት ኣብ ልዑል መዓርግ ተቐሚጣ፡ ሃብታማትውን ኣብ እተዋረደ ስፍራ ኾፍ ኢሎም፡
7
ባሮት በፍራስ፡ መሳፍንቲ ኸአ ከም ባሮት ምድሪ ምድሪ ኪኸዱ ኸለው ርኤኹ።
8
ጉድጓድ ዚኹዕት አብኣ ይወድቕ፡ መካበብያ ዜፍርስ ተመን ይነኽሶ።
9
ኣእማን ዚፈናቕል ብእኡ ይጉዳእ፡ ዕጨይቲ ዚፍልጽ ከአ፡ ኣብ ድንገት እዩ።
10
ሓጺን እንተ ጎደመ፡ ንብልሑ ኸአ እንተ ዘይሰሓልካዮ፡ ሓይልኻ ብዙሕ ይደክም። ጥበብ ግና ንምስላጥ ይጠቅም።
11
ተመን ከይተዐዘመ ኸሎ እንተ ነኸሰ፡ ዓዛሚ ጥቕሚ የብሉን።
12
ቃላት ኣፍ እቲ ጥበበኛ ሞጎስ አለዎ፡ ዓሻ ግና ከናፍሩ ይውሕጦ።
13
መጀመርታ ቓላት ኣፉ ዕሽነት፡ መወዳእታ ዘረባኡ ድማ ሕሱም ዕብዳን እዩ።
14
ዓሻስ ቃላት የብዝሕ ሰብ ግና ነቲ ዚኸውን ኣይፈልጦን፡ ነቲ ብድሕሪኡ ዚኸውን ደአ መን ይነግሮ፡
15
ዓሻ ናብ ከተማ ምኻድ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ጻዕሩ የድክሞ።
16
ኣቲ ሃገር፡ ንጉስኪ ቖልዓ ዝኾነ፡ መሳፍንትኺ ድማ ኣንጊሆም ዚበዑ፡ ወይለኺ።
17
ኣቲ ሃገር፡ ንጉስኪ ወዲ ኽቡራት ዝኾነ፡ መሳፍንትኺ ድማ ንምስካር ዘይኮነስ፡ ሓይሊ ኺረኽቡ ብግቡእ ጊዜ ዚበልዑ፡ ብጽእቲ ኢኹ።
18
ብሰሪ ትህኪትሲ ናሕሲ ይንሀል፡ ብሰሪ ህኩያት ኣእዳው ከአ ቤት ይነጥብ።
19
ድግስ ንሳሕቂ ይሳናዶ፡ ወይኒ ኸአ ንህይወት የሐጉሳ፡ ኩሉውን ብቕርሺ እዩ ዚዕደግ።
20
ኣዕዋፍ ሰማይ ንድምጽኻ ይዘርዋኦ፡ ኣኽናፍ ዘለዎ ኸአ ነቲ ቓል የውርዩ እዩ እሞ፡ ንንጉስ ብሓሳብ እኳ ኣይትርገሞ፡ ንሃብታምውን ኣብታ እትድቅሰላ ቤት ኣይትርገሞ።
← Chapter 9
Chapter 11 →