bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Deuteronomy 18
Deuteronomy 18
Amharic Tigrinya 2011
1
ነቶም ሌዋውያን ክህናት፡ ንብዘሎ ነገድ ሌዊ፡ ምስ እስራኤል ግደን ርስትን ኣይሀልዎም፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓውን ርስቱን ይብልዑ።
2
ኣብ ማእከል ኣሕዋቶም ከአ ርስቲ ኣይሀልዎም፡ ከምቲ ዝበሎም፡ ርስቶምሲ እግዚኣብሄር እዩ፡
3
ካብቶም መስዋእቲ ሕሩድ ዚስውኡ ህዝቢ ኸአ ንኻህንት ዚግባእ እዚ ኣዩ፡ ብዕራይ ኮነ፡ በጊዕ ኮነ፡ ኢድን ምንጋጋታትን ከስዔን ንኻህን ይሀሉ።
4
ንሱን ደቁን ወርትግ ብስም እግዚኣብሄር ንምግልጋል ኪቐውም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ኩሎም ነገዳትካ ንእኡ ሐርይዎ እዩ እሞ፡ ቀዳማይ ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን ቀዳማይ ጸጉሪ በጊዕካውን ንእኡ ሀቦ።
5
ንሱን ደቁን ወርትግ ብስም እግዚኣብሄር ንምግልጋል ኪቐውም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ኩሎም ነገዳትካ ንእኡ ሐርይዎ እዩ እሞ፡ ቀዳማይ ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን ቀዳማይ ጸጉሪ በጊዕካውን ንእኡ ሀቦ።
6
ሓደ ሌዋዊ ኣብ ዝኾነ ኣብ እስራኤል ዚነብር፡ ካብ ሓንቲ ኻብ ደጊታትካ እንተ ወጸ እሞ ብምሉእ ድሌት ልቡ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ቦታ እንተ መጸ፡
7
ሽዑ ኸምቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብኡ ዚቖሙ ሌዋውያን ኣሕዋቱ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ የገልግል።
8
ብጀካ እቲ ኻብ ናይ ኣቦታቱ እተሸጠ ዝመጾ፡ ግዲኦም ማዕረ ማዕረ ይብልዑ።
9
ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር።
10
ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጎል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ
11
ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቛሊ ወይ ንምውታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ።
12
እዚ ነገር እዚ ዚገብር ኩሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም።
13
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሉእ ኩን።
14
እቶም ንስኻ እትወርሶም ህዝብታት፡ ነቶም ብደበና ዚፈልጡን ንመውደቅቲ ዛዕጎልን ይሰምዑ፡ ንኣኻ ግን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ዝበለ ኣይፈቐደልካን።
15
እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ማእከልካ፡ ካብ ኣሕዋትካ፡ ከማይ ዝበለ ነብዩ ኸተንስኣልካ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ።
16
ከምቲ ኣብ ሆሬብ ብመዓልቲ ኣኼባ ከምዚ ኢልካ ኻብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝለመንካዮ፡ ምእንቲ ኸይመውት መሊሰ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ኣይሰምዕን፡ እዚ ዓብዩ ሓዊ ድማ ደጊም ኣይርእን።
17
እግዚኣብሄር ከአ፡ እቲ እትዛረብዎ ጽቡቕ እዩ በለኒ፡
18
ከማኻ ዝበለ ነብዩ ኻብ ማእከል ኣሕዋቶም ከተንስኣሎም እየ፡ ቃለይ ከአ ኣብ ኣፉ ኸንብር እየ፡ ንሱ ድማ ዝአዘዝክዎ ኹሉ ኽነግሮም እዩ።
19
ይኸውን ከአ፡ ነቲ ብስመይ ዚዛረቦ ዘረባይ ዘይሰምዕ ሰብ፡ ኣነ ኻብኡ ኽደልዮ እየ።
20
እቲ ብድፍረቱ ብስመይ ዘይአዘዝክዎ ቓል ዚዛረብ ነብዩ፡ ወይ ብስም ካልኦት ኣማልኽቲ ዚዛረብ፡ እቲ ነብዩ እቲ ይሙት።
21
ብልብኻ ድማ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ነገር ከመይ ጌርና ንፈልጦ፡ እንተ በልካ።
22
እቲ ነብዩ ብስም እግዚኣብሄር ምስ ተዛረቦ፡ እቲ ነገር እንተ እንተ ዘይኮነ፡ ኣንተ ዘይመጸ፡ እዚ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ነገር ምዃኑ ምልክት ይኹንካ። እዚ እቲ ነብዩ ብድፍረት እተዛረቦ እዩ፡ ኣይትፍርሃዮ።
← Chapter 17
Chapter 19 →