bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Deuteronomy 17
Deuteronomy 17
Amharic Tigrinya 2011
1
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዕራይ ኮነ በጊዕ ኮነ ጎደሎ ወይ ዝኾነ ኽፉእ ነገር ዘለዎ፡ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ ኣይትሰውኣዮ።
2
ኣብ ማእከልካ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ሓንቲ ኻብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ደጌታትካ ኺዳኑ ብምፍራሱ፡ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽፉእ ዚገብር እንተ ተረኸብ፡
3
ከይዶም ከአ ንዘይአዘዝክዎ ኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ንጸሓይ ወይ ንወርሒ ወይ ንኹሎም ሰራዊት ሰማይ እንተ ኣምለኽዎምን እንተ ሰገዱሎምን፡
4
እዚ እንተ ነገሩኻ እሞ እንተ ሰማዕካ፡ ኣጸቢቕካ መርምር፡ ከምዚ ዝበለ ጽያፍ ኣብ እስራኤል ከም እተገብረ፡ ነገሩ ርግጽ ሓቂ እንተ ኾይኑ፡
5
ሽዑ ነቲ እዚ ነገር እዚ ዝገበረ ሰባይ ወይ ሰበይቲ ናብ ደጌታትካ ኣውጽኣዮ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ወይ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ኺሞቱ ብዳርባ እምኒ ቕተሎም።
6
እቲ ዚመውት ብኣፍ ክልተ ምስክር ወይ ሰለስተ ምስክር ይሙት፡ ብኣፍ ሓደ ምስክር ኣይሙት።
7
ንምቕታሉ ቅድም ኢድ እቶም ምስክር፡ ደሐር ከአ ኢድ ኩሉ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ይኹን። ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።
8
ኣብ ደጌታትካ ብናይ ባእሲ ነገር፡ ኣብ መንጎ ደም ንደም፡ ኣብ መንጎ ባእሲ ንባእሲ፡ ኣብ መንጎ ቑስሊ ንቑስሊ፡ ምፍራድ ኣዝዩ እንተ ሸገረካ፡ ተንሲእካ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሐረያ ቦታ ደይብ፡
9
ናብ ሌዋውያን ካህናትን ናብቲ በተን መዓልትታት እቲኤን ዘሎ ፈራድን ኣቲኻ ሕተቶም፡ ንሳቶም ከአ እቲ ናይ ፍርዲ ነገር ይንገሩኻ።
10
ከምቲ ኻብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ቦታ ዝነገሩኻ ነገር ግበር፡ ከምቲ ዝመሀሩኻ ኹሉ ኽትገብር ተጠንቀቕ።
11
ከምቲ ዝመሀሩኻ ሕግን ከምቲ ዝነገሩኻ ፍርድን ግበር። ካብቲ ዝገለጹልካ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋ ኣይትዝበል።
12
ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኼገልግል ደው ዝብል ካህን ወይ ነቲ ፈራዲ ብትዕቢት ምስማዕ ዚኣቢ ሰብ፡ እቲ ሰብ እቲ ይሙት። ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ።
13
ኩሉ ህዝቢ ድማ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ፡ መሊሱውን ኣይዕበን።
14
ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ኣቲኻ ምስ ወረስካያን ምስ ተቐመጥካያን። ከምቶም ኣብ ዙርያይ ዘለው ኹሎም ህዝብታት፡ ንጉስ ኣብ ልዕለይ ክንግስ እየ፡ እንተ በልካ፡
15
ሽዑ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚሐርዮ ኣብ ልዕሌኻ ኣንግሶ። ሓደ ኻብ ማእከል ኣሕዋትካ ንጉስ ኣብ ልዕሌኻ ንጉስ ኣብ ልዕሌኻ ኣንግስ። ሓውካ ዘይኮነ ጓና ኣብ ልዕሌኻ ኣይተንግስ።
16
ሓንትስ፡ ኣፍራስ ደአ ኣየብዝሕ፡ ኣፍራስ ምእንቲ ኼብዝሕ ኢሉ ኸአ፡ ነቲ ህዝቢ ናብ ግብጺ ኣይምለሶ። እግዚኣብሄር፡ ድሕሪ ደጊም ነዛ መገዲ እዚኣ ኣይትመለስዋ፡ ኢልኩም እዩ።
17
ልቡ ኸይሰድዕ ድማ ኣንስቲ ኣየብዝሕ። ወርቅን ብሩርን ከአ እምብዛ ኣየብዝሕ።
18
ይኸውን ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ዝፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ፡ ካብቲ ኣብ ቅድሚ ሌዋውያን ካህናት ዘሎ ሕጊ ንእኡ ዚኸውን ቀዲሑ ኣብ መጽሓፍ ይጽሓፍ።
19
ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኺመሀር፡ ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ምእንቲ ከይልዐል፡ ካብቲ ትእዛዝ ከኣ ንየማን ኮነ ንጸጋም ከይዘብል፡ ንሱን ደቁን ኣብ ማእከል እስራኤል መዕልትታት መንግስቱ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ናይ እዚ ሕጊ እዚ ቓላትን እዚ ትእዛዛት እዝን ተጠንቂቑ ኺገብሮስ፡ ምስኡ ይኹን፡ ኩሉ መዓልቲ ህይወቱ ኸአ የንብቦ።
20
ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኺመሀር፡ ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ምእንቲ ከይልዐል፡ ካብቲ ትእዛዝ ከኣ ንየማን ኮነ ንጸጋም ከይዘብል፡ ንሱን ደቁን ኣብ ማእከል እስራኤል መዕልትታት መንግስቱ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ናይ እዚ ሕጊ እዚ ቓላትን እዚ ትእዛዛት እዝን ተጠንቂቑ ኺገብሮስ፡ ምስኡ ይኹን፡ ኩሉ መዓልቲ ህይወቱ ኸአ የንብቦ።
← Chapter 16
Chapter 18 →