bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Deuteronomy 16
Deuteronomy 16
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ወርሒ ኣቢብ ካብ ግብጺ ብለይቲ ኣውጺእካ እዩ እሞ፡ ወርሒ ኣቢብ፡ ፋሲጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብዕል።
2
ኣብታ እግዚኣብሄር ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ኣባጊዕካን ኣሓኻን ፋስጋ ሕረድ።
3
ሾብዓተ መዓልቲ ድማ ዘብኹዔ እንጌራ፡ እንጌራ መከራ፡ ምስኡ ብላዕ። ካብ ምድሪ ግብጺ ብታህዋኽ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ ነታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጻእካላ መዓልቲ ምሉእ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽትዝክራ፡ ዝበኹዔ እንጌራ ምስኡ ኣይትብላዕ።
4
ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ኩሉ ዶባትካ ብኹዕ ኣይርኤ፡ በታ መጀምርታ መዓልትስ ንምሸታ ኻብ ዝሐረድካዮ ስጋ ኽሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።
5
ኣብ ዝኾነ ኻብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ደጌታትካ፡ ፋስጋ ኽትሓርድ ኣይትኽእልን።
6
ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ደአ፡ ኣብኣ በታ ኻብ ግብጺ ዝወጻኣክላ ጊዜ፡ ጸሓይ ክትዐርብ ከላ፡ ፋሲጋ ሕረድ።
7
ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሐረያ ቦታ ኣብሲልካ ብልዓዮ። ንጽብሒቱ ድማ ተመሊስካ ናብ ድንኳናትካ ኺድ።
8
ሹዱሽተ መዓልቲ ዘይበኹዔ እንጌራ ብላዕ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸአ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዓብዩ በዓል ኣኼባ እያ፡ ገለ ዕዮ ኣይትዕየ።
9
ሾብዓተ ሰሙን ቁጸር፡ ካብታ ዓጺድ እኽሊ እትጅምረሉ ሾብዓተ ሰሙን ክትቆጽር ጀምር።
10
ከም መጠን እቲ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ በረኸት ከአ ናይ ፍቓድ መባእ ኢድካ ብምቕራብ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ በዓል ሰሙናት ኣብዕል።
11
ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዘሎ ሌዋውን ኣብ ማእከልካ ዘለው ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተሃጎስ።
12
ንስኻ ድማ ኣብ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር እሞ ነዚ ሕጋጋት እዚ ሓልዎን ግበሮን።
13
ፍርያት ካብ ዕውድኻን ካብ መጽሙቕ ወይንኻን ምስ ኣከብካ፡ በዓል ዳስ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብዕል።
14
ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዘለው ሌዋውን ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ድማ ብበዓልካ ይተሓጎስ።
15
እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኹሉ እቶትካን ብኹሉ ግብሪ ኢድካን ኪባርኸካ፡ ንስኻ ድማ ምሉእ ሓጎስ ክትሕጎስ ኢኻ እሞ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ቦታ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዕል።
16
ተባዕታይካ ዘበለ ሰለስተ ሳዕ ዓመት፡ ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ድስን፡ ኣብታ ንሱ ዝሐረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይርኤ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርሲ ጥራይ ኢዱ ኣይርኤ።
17
ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ በረኸት፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ይሀብ።
18
ኣብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ኹለን ደጌታትካ ንነገዳትካ ፈራዶን መኳንንትን ግበር። ንህዝቢ ኸአ ቅኑዕ ፍርዲ ይፍረዱ።
19
ፍርዲ ኣይተቕንን፡ ገጽ ርኢኻ ኣይተዳሉ። መማለዲ ድማ ዓይኒ ጠቢባን ይዕውር፡ ነገር ጻድቃን ከአ የቕንን እዩ እሞ፡ መማለዲ ኣይትቀበል።
20
ምእንቲ ኽትነብር፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ኸአ ክትወርስሲ፡ ጽድቂ አ፡ ጽድቂ ስዐብ።
21
ኣብ ጎቦ እቲ ንኣኻ ኢልካ እትገብሮ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ዝኾነ ኦም ኣስታርተ ንኣኻ ኣይትትከል።
22
እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚጸልኦ ሓወልቲ ኸእይ ኣይተቑም።
← Chapter 15
Chapter 17 →