bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Zechariah 9
Zechariah 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ፆር ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ሴድራክ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ደማስቆውን ይዓርፍ፤ ዓይኒ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብ ልዕሊ ሰባትን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነገድ እስራኤልን እዩ።
2
ከምኡውን ኣብታ እተዋስና ሃማት፥ የመና ጥበበኛታት ኣብ ዝኾኑ፥ ኣብ ልዕሊ ጢሮስን ኣብ ልዕሊ ሲዶናን እዩ።
3
ጢሮስውን ንባዕላ ዕርዲ ሰሪሓ ኣላ፤ ንብሩር ከም ሓመድ፥ ንፅሩይ ወርቂ ድማ ኸም ጭቃ መንገዲ ደለበት።
4
እንሆ፥ ጐይታ ኽገፋ እዩ፤ ኣብ ባሕሪ ንዘሎ ሓይላውን ክድምስስ እዩ፤ ንሳውን ብሓዊ ኽትቃፀል እያ።
5
ኣስቀሎና ነዙይ ሪኣ ኽትፈርሕ እያ፤ ጋዛውን ነዙይ ሪኣ የመና ኽትሓምም እያ። ኣስቀሎና ድማ ኸምኣተን ተስፋ ኽትቈርፅ እያ። እቲ ንጉስ ካብ ጋዛ ኽጠፍእ እዩ። ኣብ ኣስቀሎና ኸዓ ዝነብር ኣይርከብን።
6
“ኣብ ኣዛጦን ዝተሓናፈፀ ዓሌት ክነብር እዩ፤ ትዕቢት ፍልስጥኤማውያንውን ከጥፍእ እየ።
7
ደሙ ኻብ ኣፉ፥ ነቲ ርኹስ ነገርውን ካብ ማእኸል ኣስናኑ ኸወግድ እየ፤ ንሱ ድማ ንኣምላኽና ተረፍ ክኸውን እዩ። ኣብ ይሁዳውን ከም ሓደ ሓለቓ ክኸውን እዩ፤ ኣስቀሎና ከዓ ኸም ኢያቡሳዊ ክኸውን እዩ።
8
ኣነ ኸዓ ዝኾነ ኸይኣትዋን ከይምለሳን፥ ንቤተይ ከም ሓላዊ ሰራዊት ሰፈር ገይረ ኽሕልዋ እየ። ጭንቆም ሪአ እየሞ፥ ድሕሪ ደጊም ንህዝበይ ጨቈንቲ ኣይሓልፍዎምን።”
9
ኣቲ ጓል ፅዮን፥ የመና ደስ ይበልኪ፤ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ዕልል በሊ፤ እንሆ ንጉስኪ ፃድቕን መድሕንን እዩ፤ ትሑት እዩ፤ ኣብ ኣድጊ፥ ኣብ ገልገል ኣድጊ፥ ኣብ ፃዕቢ ተቐሚጡ ናባኺ ክመፅእ እዩ።
10
“ንሰረገላታት፥ ካብ ኤፍሬም፥ ነፍራስ ከዓ ኻብ ኢየሩሳሌም ከጥፍእ እየ። ቀስትታት ውግእ ክስበር እዩ፤ ንኣህዛብውን ሰላም ክእውጅ እዩ፤ ግዝኣቱ ኸዓ ኻብ ባሕሪ፥ ክሳዕ ባሕሪ፥ ካብቲ ሩባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ክኸውን እዩ።”
11
“ንኣኺ ድማ ስለ እቲ ምሳኺ ዝኣተኹዎ፥ ናይ ቃል ኪዳን ደም፥ ነቶም እሱራትኪ፥ ማይ ካብ ዘይብሉ ጕድጓድ፥ ሓራ ኣውፂአዮም ኣለኹ።
12
ኣቱም ብተስፋ እትነብሩ እሱራት፥ ናብ ዕርድኹም ተመለሱ፤ ሕዚ ኽልተ ዕፅፊ ገይረ፥ ከም ዝመልሰልኪ እነግረኪ ኣለኹ።
13
ንይሁዳ ኸም ቀስቲ፥ ንኤፍሬም ከዓ ኸም ፍላፃ ኽገብሮም እየ፤ ኦ ፅዮን፥ ንደቅኺ፥ ኣብ ልዕሊ ደቂ ግሪኽ ከልዕሎም እየ፤ ንኣኺውን ከም ሰይፊ ሓያል ክገብረኪ እየ።”
14
እግዚኣብሄር ኣብኣቶም ክግለፅ እዩ፤ ፍላፃታቱ ኸም በርቂ ኽወፅእ እዩ፤ ጐይታ እግዚኣብሄር መለኸት ክነፍሕ እዩ፤ ብኣውሎ ንፋስ ደቡብ ድማ ክኸይድ እዩ።
15
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንህዝቡ ኸዕቝቦም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ኽድምስስዎም እዮም፤ ኣእማን እቲ ወንጭፍ ድማ ኽረግፁ እዮም፤ ከም ወይኒ ኽሰትይዎም እዮም፤ ከም ፅዋዕን ከም መኣዝናት መሰውኢን፥ ዝተማልኡ ክኾኑ እዮም።
16
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንህዝቡ፥ ከም መጓሳ ኣባጊዕ ከድሕኖም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ኸምቲ ኣብ ዘውዲ ዘሎ ኽቡር ኣዕናቝ ዘንፀባርቕ፥ ከምኡ ኣብ ምድሩ ኸንፀባርቑ እዮም።
17
ሕያዋይነቱ ኸመይ ዓብዪ እዩ! ፅባቐኡኸ ኸምይ ዓብዪ እዩ! እኽሊ ነጕባዝ፥ ወይኒ እውን ንቘናጁ የለምልም።
← Chapter 8
Chapter 10 →