bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Zechariah 8
Zechariah 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ዝብል ቃል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ናባይ መፀ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦
2
“ብዛዕባ ፅዮን ዓብዪ ቅንኣት ቀኒአላ ኣለኹ፤ ምእንታኣውን ብዓብዪ ቍጥዓ ቀኒአ ኣለኹ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
3
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ናብ ፅዮን ተመሊሰ ኣለኹ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብር እየ። ኢየሩሳሌም ድማ ኸተማ ሓቂ ኽትበሃል እያ። እቲ እምባ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ቅዱስ እምባ ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።
4
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከምኡውን ኣረጋውያን ሰብኡትን፥ ኣረጋውያት ኣንስትን፥ ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌም መሊሶም ክቕመጡ እዮም፤ ዕድመኣቶም ስለ ዝነውሐ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፎም ምርኩስ ኣብ ኣእዳዎም ክሕዙ እዮም።
5
ኣደባባያት እታ ኸተማ ድማ፥ በቶም ዝፃወቱ ኣወዳትን ኣጓላትን ክመልኣ እየን።”
6
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ነዒንቲ ተረፍ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዘደንቕ እንተዀነስ፥ ነዒንተይዶ ዘደንቕ ክኸውን እዩ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
7
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እነሆ ኣነ ንህዝበይ ካብ ሃገራት ምብራቕን ምዕራብን ከድሕኖም እየ፤
8
ከምፅኦም እየ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብሩ እዮም፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ብሓቅን ብፅድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
9
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “መቕደሱ ኽስራሕ፥ ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ዝተመስረተሉ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ካብ ኣፍ ነቢያት በዝ ዘመን እዙይ፥ እዝ ቓል እዙይ ዝሰማዕኹም ንስኻትኩም፥ ኣእዳውኩም ኣበርትዑ።
10
ቅድሚ እተን ኣዋርሕ እቲኣተን ንሰብን፥ ንእንስሳን ዋጋ ውዕሎ ኣይነበሮን፤ ኣነ ድማ ንዅሉ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሓዉ ኣተሲአ ነይረ እየሞ፥ ካብ ኣጨናቒ ዝተልዓለ ንዝኣቱን ንዝወፅእን ሰላም ኣይነበረን።
11
ሕዚ ግና ነቶም ዝተረፉ ህዝበይ፥ ከምቲ በተን ቀዳሞት መዓልቲታት ዝገበርክዎ ኣይገብርን እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
12
ግና ሰላም ክዘርእ እየ፤ ወይኒ ፍረኡ ኽህብ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ በቍላ ኽትህብ እያ፤ ሰማያት ድማ ጠሊ ኽህቡ እዮም። ነቶም ዝተረፉ ህዝበይ፥ ነዝ ዅሉ ኸውርሶም እየ።
13
ኣቱም ህዝቢ ይሁዳን እስራኤልን ብኣህዛብ ምሳሌ ርግማን ከም ዝነበርኩም ሕዚ ግና ኸድሕነኩም እየ፤ በረኸት ድማ ኽትኮኑ ኢኹም፤ ኣይትፍርሑ፤ ኣእዳውኩምውን ኣበርትዑ።”
14
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎሞ፦ “ኣቦታትኩም ምስ ኣቘጥዑኒ ኽፉእ ከምፅኣሎም ሓሰብኩ፤ ኣይተናሳሕኹንውን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
15
ከምኡ ድማ ሕዚ ንኣኻትኩም ንኢየሩሳሌምን ንይሁዳን፥ ሰናይ ክገብረልኩም ሓሲበ ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ።
16
እቲ ኽትገብርዎ ዝግብአኩም ነገር እዙይ እዩ፦ ምስ ብፆትኩም ሓቂ ተዘራርቡ፤ ኣብ ባይቶኹምውን ፍርዲ ሓቅን ሰላምን ፍረዱ።
17
ካባኻትኩም ድማ፥ ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ ክፉእ ኣይሕሰበሉ፤ ናይ ሓሰት ማሕላውን ኣይትፍተዉ፤ ነዝ ዅሉ እፀልኦ እየሞ” ይብል እግዚኣብሄር።
18
ከምዙይ ዝብል ቃል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤
19
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እቶም ናይ ራብዓይ ወርሒን ናይ ሓምሻይን ናይ ሻውዓይን ናይ ዓስራይን ወርሒ ኣፅዋማት፥ ንህዝቢ ይሁዳ በዓላት ሓጐስን ደስታን ፍስሃን ክኾኑ እዮም። እምበኣር ሓቅን ሰላምን ፍተዉ።”
20
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዝነብሩ ኣህዛብ ገና ኽመፁ እዮም።
21
እቶም ኣብ ሓንቲ ኸተማ ዝነብሩ ሰባት፥ ንእግዚኣብሄር ንምልማን ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንምድላይ፥ ንዑ ቀልጢፍና ንኺድ፤ ኣነ ባዕለይውን ክኸይድ እየ እናበሉ፥ ናብ ካልእ ከተማ ክኸዱ እዮም።
22
ብዙሓት ወገናትን ሓያላት ኣህዛብን፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንምድላይን ንምልማንን፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክመፁ እዮም።
23
በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝኾኑ ዓሰርተ ሰባት፥ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም ‘እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝኾነ ሰሚዕና ኣለና እሞ፥ ምሳኻትኩም ኽንከይድ ኢና’ ኽብልዎም እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”
← Chapter 7
Chapter 9 →