bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Zechariah 10
Zechariah 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብጊዜ ዳሕረዋይ ዝናም፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝናም ለምኑ፤ እግዚኣብሄር መብረቅ ይገብር፤ ዝናምን ንነፍሲ ወከፍ ድማ ሳዕሪ ኣብ ግራት ክህብ እዩ።
2
ተራፊም ከንቱ ይናገሩ፤ ጠንቈልቲውን ሓሰት ይሪኡ፤ ሓለምቲ ድማ ሓሰት ይናገሩ፤ ብኸንቱውን የፀናንዑ፤ ስለዙይ እቶም ህዝቢ ጓሳ የብሎምን፤ ከም ኣባጊዕ ከርተት በሉ፤ ተጨነቑውን።
3
ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊ ጓሶት ነደደ፤ ነቶም ዲበላታትውን ክቐፅዖም እየ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንመጓሰኡ ቤት ይሁዳ ተመልኪትዎ እዩ፤ ኣብ ጊዜ ውግእውን፥ ከም ናይ ክብሩ ፈረስ ክገብሮም እዩ።
4
ካብኡ እምኒ መኣዝን፥ ካስማ ድንኳን፥ ቀስቲ ውግእ፥ ኵሎም ግብሪ ዘገብሩ ኽወፁ እዮም።
5
ኣብ ጊዜ ውግእ ንፀላእቶም ኣብ መንገዲ ንዘሎ ጭቃ ኸም ዝረጋግፁ ሓያላት ክኾኑ እዮም፤ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ስለ ዝኾነ ኸዓ ኽዋግኡ እዮም፤ እቶም ፈረሰኛታትውን ከዋርዱ እዮም።
6
“ፈትየዮም እየሞ፥ ንቤት ይሁዳ ኸበርትዖም እየ፤ ንቤት ዮሴፍ ድማ ኸድሕኖም እየ፤ ከደላድሎምውን እየ። ስለ ዝርህርሀሎም፥ ናብ ዓዶም ክመልሶም እየ፤ ከም ዘይሓደግክዎምውን ክኾኑ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየሞ፥ ፀሎቶም ክሰምዖም እየ፤ ከም ዘይደርበኹዎምውን ክኾኑ እዮም።
7
ሰባት ኤፍሬም ከም ሓያላት ሰባት ክኾኑ እዮም፤ ልቦምውን ወይኒ ኸም ዝሰተየ ሰብ ክሕጐስ እዩ። ደቆምውን ነዙይ ሪኦም ክሕጐሱ እዮም፤ ልቦምውን ብእግዚኣብሄር ሓሴት ክገብር እዩ።”
8
“ተቤዚወዮም እየሞ፥ ብፋፃ ኽፅውዖም እየ፤ ብሓደ ኽእክቦም እየ፤ ከም ቀደሞምውን ክበዝሑ እዮም።
9
ኣብ መንጎ ህዝብታት እኳ እንተ በተንክዎም፥ ኣብ ርሑቕ ኮይኖም ክዝክሩኒ እዮም፤ ምስ ደቆምውን ብህይወት ክነብሩን፥ ናብ ዓዶም ክምለሱን እዮም።
10
ካብ ምድሪ ግብፂ ኽመልሶም እየ፤ ካብ ኣሶርውን ክእክቦም እየ፤ ናብ ምድሪ ገለዓድን ሊባኖስን ከምፅኦም እየ፤ ብቑዕ ቦታውን ኣይርከበሎምን።
11
ብባሕሪ ጭንቂ ኽሓልፉ እዮም፤ ማዕበል ባሕሪ እውን ክሃድእ እዩ፤ ኵሉ መዓሙቝ ሩባ ኸዓ ይነፅፍ፤ ትዕቢት ኣሶር ክዋረድ፥ በትሪ መንግስቲ ግብፂውን ክውገድ እዩ።
12
ብኣምላኾም ብእግዚኣብሄር ከበርትዖም እየ፤ ብስሙውን ክምክሑ እዮም” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
← Chapter 9
Chapter 11 →