bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Zechariah 11
Zechariah 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣታ ሊባኖስ፥ በርታትካ ኽፈት፤ ሓዊውን ንዝግባታትካ ትብላዕ።
2
ኣታ ኦም ፅሕዲ፥ ዝግባ ሊባኖስ ወዲቑ እዩሞ፥ ክቡራትውን ጠፊኦም እዮምሞ፥ ዋይ ዋይ በል። ኣቱም ኣእዋም ባሳን፥ እቲ ፀምፀም ዱር ተቘሪፁ እዩ እሞ፥ ዋይ ዋይ በሉ።
3
ክብሪ ጓሶት ተዋሪዱ እዩሞ፥ ድምፂ ኣውያቶም ተሰምዐ፤ ትዕቢት ዮርዳኖስ ተዋሪዱ እዩሞ፥ ድምፂ ምጕዛም ኣንበሳ ተሰምዐ።
4
እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዙይ ይብል፦ “እተን ንማሕረዲ ዝተፈለያ ኣባጊዕ ሓሉ።
5
እቶም ዓደግተን ክሓርድወን እዮም፤ ንርእሶም ከዓ ኸም በደልቲ ገይሮም ኣይቘፅሩን። እቶም ሸየጥተን ከዓ ‘ንሕና ሃብቲምና ኢናሞ፥ እግዚኣብሄር ይመስገን’ ይብሉ። ጓሶተንውን ኣይርህሩሁለንን።”
6
“ድሕሪ ሕዚ ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ኣይርህርሀሎምን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፥ ንዅሉ ሰብ ኣብ ኢድ ብፃዩን፥ ኣብ ኢድ ንጉሱን ኣሕሊፈ ኽህብ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ነታ ምድሪ ኸባድምዋ እዮም፤ ኣነውን ካብ ኢዶም ኣየናግፎምን እየ” ይብል እግዚኣብሄር።
7
ኣነውን ነተን ንማሕረዲ ዝተፈለያ ኣባጊዕ፥ ብፍላይኳ ነተን መሳኺን መጓሰ ኣባጊዕ፥ ጓሰኹ። ክልተ በትሪ ድማ ወሰድኩ፤ ነታ ሓንቲ “ፅባቐ” ነታ ሓንቲ ኸዓ “መእሰሪ” ኢለ ሰመኽወን፤ ነተን መጓሰውን ሓለኹወን።
8
ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፥ ነቶም ሰለስተ ጓሶት ኣወገድክዎም። ነፍሰይውን ተሰቀቐቶም፤ ነፍሳቶምውን ንኣይ ፀልአትኒ።
9
“ኣነ ንኣኻትኩም ኣይሕሉን፤ እቲ ዝመውት ይሙት፤ እቲ ዝጠፍእ ይጥፋእ፤ እቲ ዝተረፈ ድማ ስጋ ንስንሳቱ ይባላዕ” በልኩ።
10
ሽዑ ኣነ ምስ ኵሎም ህዝብታት፥ ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን ምእንቲ ኸፍርስ ነታ “ሞገስ” ዝስማ በትረይ ወሲደ ሰበርክዋ።
11
በታ መዓልቲ እቲኣ ፈረሰ። እቶም ዝጥምቱኒ ዝነበሩን፥ እቶም ዝተጨነቑ ኣባጊዕን፥ ቃል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጡ።
12
ኣነ ድማ “ባህ እንተይሉኩም ዓስበይ ሃቡኒ፤ ደስ እንተ ዘይሉኩም ድማ ሕደግዎ” በልክዎም። ንሳቶም ከዓ ዓስበይ ሰላሳ ቕርሺ ብሩር መዘኑ።
13
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ነቲ ዝገምገሙለይ ክቡር ዓስበይ “ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ መዛግብቲ ኣንብሮ” በለኒ። ኣነ ድማ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ብሩር ወሲደ፥ ኣብቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ቤተ መዛግብቲ ኣንበርክዎ።
14
ሽዑ ነቲ ኣብ መንጎ ይሁዳን እስራኤልን ዘሎ ሕውነት ክሰብር፥ ነታ “መእሰሪ” ዝበልክዋ ኻልአይቲ በትረይ ሰበርክዋ።
15
እግዚኣብሄር ከዓ “መሊስካ ኣቕሓ እቲ ሰነፍ ጓሳ ውሰድ” በለኒ።
16
“እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር ጓሳ ኸተስእ እየ። ንሱ ንዝጠፍአ ኣይዝክርን፤ ከርተት ንዝብል ኣይደልን፤ ንዝተሰበረ ኣይፅግንን፤ ነቲ ዝደሓነ ኸዓ ኣይቕልብን እዩ፤ ግና ስጋ ስቡሓት ይበልዕ፤ ሸኾናኣቶምውን ይቆረጣጥም።
17
መጓሰኡ ንዝሓድግ ሰነፍ ጓሳ ወይለኡ! ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ቕልፅሙን፥ የማናይ ዓይኑን ክኸውን እዩ። ቅልፅሙ ፈፂማ ኽትሰልል፥ የማነይቲ ዓይኑውን ክትዓውር እያ።”
← Chapter 10
Chapter 12 →