bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Song of Solomon 7
Song of Solomon 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣቲ ጓል መስፍን፥ ሳእኒ ዝገበራ፥ ኣእጋርኪ ኽንደይ ይፅብቓ! ቅርፂ ደናጕኺ ኸም ብኢድ ብልሓተኛ ዝተሰርሐ ዕንቍታት ይመስል።
2
ሕምብርትኺ ብሉፅ ወይኒ ኸም ዘይጐድሎ፥ ከቢብ ፅዋዕ እዩ፤ ከርስኺ ብዕምበባ ኸም እተኸበበ፥ ምህርቲ ስርናይ እዩ።
3
ክልቲአን ኣጥባትኪ፥ ከም ማንታ መሓስእ ሜዳቝ እየን፤
4
ክሳድኪ ብስኒ ሓርማዝ ከም ዝተሰርሐ ግንቢ እዩ፤ ኣዒንትኺ ኸምቲ ኣብ ጥቓ ደገ ባትራቢ ዘሎ፥ ሓፅብታት ሄስቦን እየን፤ ኣፍንጫኺ ኸምቲ ንደማስቆ ገፁ ዝርኢ፥ ግንቢ ሊባኖስ እዩ።
5
ርእስኺ ኣብ ልዕሌኺ ኸም እምባ ቀርሜሎስ እዩ፤ ፀጕሪ ርእስኺ ኸም ቀይሕ ሃሪ እዩ፤ ብቝኖኺ እቲ ንጉስ ተማረኸ።
6
ኣቲ ፍቕርተይ፥ ክንደይ ትፅብቒ! ክንደይከ ተሐጕስን ትፍተውን!
7
ቁመትኪ ኸም ኦም ስየ እዩ፤ ኣጥባትኪ ኸዓ ኸም ዘለላ ፍረ ተምሪ ይመስላ።
8
ኣነውን “ናብቲ ኦም ስየ ደዪበ ጨንፈሩ ኽሕዝ እየ” በልኩ፤ ኣጥባትኪ ኸም ዘለላ ወይኒ፥ መዓዛ እስትንፋስኪውን ከም ትርንጒ እዩ።
9
ከናፍርኪ ኸዓ ኸም ብሉፅ ወይኒ ይጥዕም፤ ጐሮሮኺ፥ ንፈታዊ እናጠዓመ ኸም ዝወርድ፥ ነተን ዝደቀሳ ኸናፍር ክናገራ ዝገብር፥ ከም ጥዑም ወይኒ እዩ።
10
ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፤ ሃረርታ ፍቱወይ ከዓ ናባይ እዩ።
11
ኣታ ፍቱወይ፥ ንዓናይ ናብ በረኻ ንውፃእ፤ ኣብቲ ቑሸታትውን ንሕደር።
12
ተኽሊ ወይኒ ጠጢዑ እንተ ኾይኑ፥ እቲ ዕምበባ ኸዓ ኸፊቱ እንተ ኾይኑ፥ ሮማንውን ፈርዩ እንተ ኾይኑ ኽንርእስ፥ ናብ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣንጊህና ንኺድ፤ ኣብኡ ኸዓ ፍቕረይ ክህበካ እየ።
13
ትርንጒታት፥ መዓዛ ሃቡ፤ ኣታ ፍቱወይ፥ ንኣኻ ኢለ ዝዓቘርክዎ በብዓይነቱ ሓድሽን ብሉይን፥ ደስ ዘብል ፍረታት ኣብ ደገታትና ኣሎ፤ ፍቱወይ፥ ኵሉ ንኣኻ ሓለኹልካ።
← Chapter 6
Chapter 8 →