bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Song of Solomon 8
Song of Solomon 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንስኻ ኣበይሞ ጡብ ወላዲተይ ከም ዝጠበወ፥ ከም ሓወይ እንተ እትኾነለይ! ኣብ ወፃኢ እንትረኽበካ ምሰዓምኩኻ ነይረ፤ ሓደ እኳ ኣይምነዓቐንን ነይሩ።
2
መሪሐ ናብ ቤት እኖይ መእተኹኻ፤ ኣብኡ ኸዓ ንስኻ ምመሃርካኒ፤ ኣነውን ካብ ዝተፀምቈ ጥዑም ወይነይን፥ ካብ ማይ ሮማነይን መስተኹኻ ነይረ።
3
ፀጋመይቲ ኢዱ ምተተርኣስኩ፤ የማነይቱ ኸዓ ምሓቘፈትኒ ነይራ።
4
ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ፍቱወይ ክሳዕ ዝደሊ፥ ከይተተስአኦን ከይተበራብራኦን ኣምሕለክን ኣለኹ።
5
እዛ፥ ፈታዊኣ ተደጊፋ፥ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላ መን እያ? ኣብ ትሕቲ ኦም ምልዖ ኣንቃሕኹኻ፤ ኣብኡ እኖኻ ንኣኻ ኽትሓርስ ተፅዓረት፤ ኣብኡ እኖኻ ወለደትካ።
6
ፍቕሪ ኸም ሞት ሓያል እያ፤ ቅንኣትውን ከም ሲኦል ጨካን እዩ፤ ረስና ኸም ሓዊ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ከም ማሕተም ኣብ ልብኻ፥ ከም ማዕተብ ኣብ ቅልፅምካ ኣንብረኒ።
7
ንፍቕርስ ብዙሕ ማይ እኳ ኸጥፍኣ ኣይኽእልን፤ ወሓይዝውን ኣየስጥሙዋን፤ ሰብ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ፥ ኵሉ ጥሪት ቤቱ እንተ ዝህብ፥ ፈፂሞም ምነዓቕዎ።
8
ጡብ ዘይብላ ንእሽተይ ሓፍቲ ኣላትና፤ ብዛዕባኣ ዝናገሩላ መዓልቲ፥ ንሓፍትና እንታይ ንግበረላ?
9
ንሳ ቕፅሪ እንተ ኾነት፥ ኣብ ልዕሊኣ ግንቢ ብሩር ክንሰርሐላ ኢና፥ ኣፍ ደገ እንተ ኾነት ከዓ፥ ብፅሩብ ፅሕዲ ኽንከባ ኢና።
10
ኣነ ቕፅሪ እየ፤ ኣጥባተይ ከዓ ኸም ግንቢ እየን፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ሰላም ከም እትረክብ ኮንኩ።
11
ንሰሎሞን ኣብ ብኤላሞን፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ፤ ነዝ ኣታኽልቲ ወይኒ እዙይ፥ ፍረኡ ንዝሕልዉ ብኽራይ ሃቦም፤ ኵሉ ሰብ ከዓ ኽንዲ ፍረኡ፥ ሽሕ ቅርሺ ብሩር የምፅአሉ ነበረ።
12
ናተይ ዝኾነ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ቅድመይ እዩ፤ ኦ ሰሎሞን፥ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ንኣኻ፥ ክልተ ሚእቲ ድማ ፍረኡ ንዝሕልዉ ይኹን።
13
ኣቲ ኣብ ቦታ ኣታኽልትታት እትነብሪ ፍቕርተይ፥ እቶም ብፆተይ ንድምፅኺ የዳምፁ ኣለዉ እሞ፥ ድምፅኺ ኣስምዕኒ።
14
ኣታ ፍቱወይ፥ ቀልጥፍ፤ ኣብቲ ምዑዝ ቀመም ዝበቝሎ እምባታት፥ ከም ሜዳቝ ወይ ከም ወጠጦ ሰስሓ ምሰል።
← Chapter 7