bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Song of Solomon 6
Song of Solomon 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣቲ ሕልፊ ዅለን ኣንስቲ እትፅብቒ፥ ፈታዊኺ ናበይ እዩ ኸይዱ? ምሳኺ ሓቢርና ኽንደልዮስ፥ ፈታዊኺ ናበይ ኣቢሉ እዩ ዝኸደ?
2
ፍቱወይ ክጓስን ዕምበባታት ክእክብን፥ ናብ ገነቱ፥ ናብቲ ሽቱ ዝበቝለሉ ኽፍሊ እዩ ወሪዱ።
3
ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፤ ፍቱወይ ከዓ ናተይ እዩ፤ ንሱ ኣብ ማእኸል ዕምበባታት፥ መጓሰኡ ይጓሲ ኣሎ።
4
ኣቲ ፍቕርተይ፥ ከም ከተማ ቴርሳ ፅብቕቲ፥ ከም ከተማ ኢየሩሳሌም ባህ እተብሊ ኢኺ፤ ሰንደቕ ዕላማ ኸም ዝሓዘ ሰራዊት፥ እተፍርሒ ኢኺ።
5
ኣዒንትኺ ኣፍሪሐናኒ እየንሞ ኻባይ መልሲ፤ ፀጕሪ ርእስኺ ኻብ እምባ ገለዓድ ከም ዝወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ።
6
ኣስናንኪ፥ ካብ ምሕፃብ ከም ዝወፃ መኻን ዘይብለን ኵለን ማንታ ማንታ ዝወልዳ መጓሰ ኣባጊዕ እየን።
7
ኣብ ውሽጢ ጕልባብኪ ዘሎ ምዕጕርታትኪ፥ ከም ምቃል ሮማን እዩ።
8
ስሳ ንግስትታት፥ ሰማንያ ዕቁባት፥ ቍፅሪ ዘይብለን ኣዋልድውን ኣለዋ።
9
ግና ርግበይ፥ ፍፅምተይ፥ ሓንቲ እያ፤ ንሳ ንኖኣ ሓንቲ እያ፤ ንወላዲታውን ምርፅቲ እያ፤ ኣዋልድ ሪአን “ኣሞገሳኣ፤” ንግስታትን ዕቁባትን ድማ ነኣድኣ፥
10
እዛ ኸም ወጋሕታ ብርሃን ቅልቅል እትብል፥ ከም ወርሒ ፅብቕቲ፥ ከም ፀሓይ ብርህቲ፥ ሰንደቕ ዕላማ ሒዙ ኸም ዝተሰለፈ ሰራዊት፥ ግርማኣ ዘፍርሕ እዚኣ መን እያ?
11
ልምሉም ተኽሊ ለሰ ኽርኢ፥ ተኽሊ ወይኒ ጠጢዑ እንተ ኾይኑ፥ ሮማንውን ዓምቢቡ እንተ ኾይኑ ኽርኢ፥ ናብ ኣታኽልቲ ለውዝ ወረድኩ።
12
እንተይፈለጥኩ፥ ነፍሰይ ኣብ ክቡር ሰረገላ ኣቐመጠትኒ።
13
ኣቲ ሱላማጢስ ተመለሲ፤ ተመለሲ፤ ምእንቲ ኽንርእየኪ ተመለሲ፤ ተመለሲ። ብሱላማጢስ እንታይ ትሪኡ ኣለኹም? ንሳ ኸም ደርፊ ማሃናይም እያ።
← Chapter 5
Chapter 7 →