bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Romans 6
Romans 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እሞኸ እንታይ ንበል? ፀጋ ምእንቲ ኽበዝሕ፥ ሓጢኣት እናገበርናዶ ንንበር?
2
ኣይፋልናን፤ ንሕና ኻብ ሓጢኣት ፈፂምና ተፈሊና እናበልናስ፥ ከመይ ኢልና ደኣ ሕዚ፥ ኣብ ሓጢኣት ክንነብር?
3
ንሕና ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኽንከውን ዝተጠመቕና፥ ናይ ሞቱ ተኻፈልቲ ኽንከውን ከም ዝተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
4
እምበኣር ከምቲ ክርስቶስ፥ ብናይ ኣብ ክብሪ ኻብ ሙታን ዝተስአ፥ ከምኡ ኸዓ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና።
5
ሞቱ ብዝመስል ሞት ምሰኡ እንተ ሓቢርና፥ ትንሳኤኡ ብዝመስል ትንሳኤውን፥ ምስኡ ኽንሓብር ኢና።
6
ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ፥ እቲ ሓጥእ ሰብነትና ምእንቲ ኽሰዓር፥ እቲ ኣረጊት ሰብነትና፥ ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ ንፈልጥ ኢና።
7
እቲ ዝሞተ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂኡ እዩ እሞ።
8
ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትና፥ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር ነኣምን ኢና።
9
እቲ ኻብ ሞት ዝተስአ ክርስቶስ፥ መሊሱ ኸም ዘይመውት ንፈልጥ ኢና፤ ደጊም ሞት ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን የብሉን።
10
ንሱ ብሞቱ፥ ንሓዋሩ ሓደ ጊዜ ንሓጢኣት እዩ ዝሞተ። ብህይወቱ ግና፥ ንእግዚኣብሄር እዩ ዝነብር።
11
ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ሓጢኣት ከይትገብሩ ኸም ዝሞትኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ህያዋን ከም ዝኾንኩም ንርእስኹም ቍፀሩ።
12
እምበኣር ንስጋዊ ድልየትኩም ምእንቲ ኸይትእዘዙ፥ ኣብዝ መዋቲ ስጋኹም፥ ሓጢኣት ኣይንገስ።
13
ሞይቶም ከም ዝተስኡ፥ ርእስኹም ንእግዚኣብሄር ወፍዩ እምበር፥ ኣካላትኩም መሳርሒ ኽፍኣት ክኸውን፥ ንሓጢኣት ኣይትሃብዎ፤ ኣካላትኩምስ፥ መሳርሒ ፅድቂ ክኸውን፥ ንእግዚኣብሄር ደኣ ወፍይዎ።
14
ትሕቲ ፀጋ እምበር፥ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኮንኩም፥ ሓጢኣት ኣይገዝአኩምን እዩ እሞ።
15
እሞኸ ደኣ፥ ትሕቲ ፀጋ እምበር፥ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኮንና፥ ሓጢኣትዶ ኽንገብር? ኣይፋልናን፤
16
ከም እዙዛት ባሮት ኴንኩም፥ ርእስኹም እንተ ኣግዛእኹም፥ ናይቲ እትእዘዝዎ፥ ባሮት ከም ዝኾንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምበኣር፥ ንሞት ናይ ሓጢኣት ባሮት ወይ ንፅድቂ ናይ ምእዛዝ ባሮት ኢኹም።
17
ቀደም ባሮት ሓጢኣት እኳ እንተ ነበርኩም፥ ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበኩም ትምህርቲ ኻብ ልቢ ስለ ዝተኣዘዝኩምዎ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንፅድቂ ስለ ዝተገዛእኹም፥ እግዚኣብሄር ዝተመስገነ ይኹን።
19
ከም ልማድ ሰብ ዝዛረብ ዘለኹ፥ ብስጋኹም ድኹማት ስለ ዝኾንኩም እዩ። ከምቲ ንርኽሰትን፥ እናገደደ ንዝኸይድ ክፍኣትን ንኽግዛእ፥ ኣካላትኩም ዝወፈኹም፥ ከምኡ ድማ ሕዚ ናብ ቅድስና ንዘብፅሕ ፅድቂ፥ ኣካላትኩም ወፍዩ።
20
ባሮት ሓጢኣት ኣብ ዝነበርኩምሉ ጊዜ፥ ፅድቂ ካብ ምስራሕ ሓራ ኔርኩም።
21
ካብቲ ሕዚ እትሓፍሩሉ ዘለኹም ነገራት፥ እንታይ ኣፍረኹም? መወዳእታ ናይቲ ነገራት እቱይ፥ ሞት እዩ እሞ።
22
ሕዚ ግና፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝተገዛእኹም፥ ቅድስና ኣፍሪኹም ኣለኹም። መወዳእታኡ ኸዓ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
23
ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ፥ ውህብቶ ፀጋ እግዚኣብሄር ግና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
← Chapter 5
Chapter 7 →