bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Romans 5
Romans 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እምበኣር ብእምነት ካብ ፀደቕና፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ እግዚኣብሄር ሰላም ኣለና።
2
ብእኡ ኸዓ፥ ናብዝ ሕዚ ዘለናዮ ፀጋ ብእምነት ኣተና፤ ብተስፋ ተኻፈልቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾንናውን፥ ንምካሕ ኣለና።
3
በዙይ ጥራሕ ኣይኮነን፤ እቲ መከራ፥ ትዕግስቲ ኸም ዘምፅእ ስለ ዝፈለጥና፥ ብመከራና ድማ ንምካሕ እምበር።
4
ብትዕግስቲ ፅንዓት፥ ብፅንዓት ከዓ ተስፋ ይርከብ።
5
እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ፤ በቲ ዝተውሃበና መንፈስ ቅዱስ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልብና መሊኡ እዩ እሞ።
6
ንሕና ድኹማት እንተለና፥ ክርስቶስ በቲ ውሱን ጊዜ፥ ምእንቲ ሓጥኣን ሞተ።
7
ክንዲ ፃድቕ ዝመውት እኳ ዝርከብ ኣይመስልን፤ ክንዲ ሕያዋይ ሰብ ግና፥ ክመውት ዝደፍር ምናልባሽ ኣይምተስኣነን ይኸውን።
8
ግና ንሕና፥ ገና ሓጥኣን እንተለና፥ ክርስቶስ ምእንታና ሞይቱ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር፥ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ በዙይ የርኢ ኣሎ።
9
እምበኣር ሕዚ ብደሙ ዝፀደቕና ኻብ ኮንና፥ ካብቲ ቝጥዓኡ ደኣ፥ ብእኡ ኽንደይ ብዝበለፀ ዘይንድሕን!
10
ንሕና ፀላእቱ እንተለና፥ ምስ እግዚኣብሄር ብሞት ወዱ ተዓረቕና፤ ካብ ተዓረቕና ደኣ፥ ብህይወት ወዱ፥ ክንደይ ብዝበለፀ ዘይንድሕን!
11
እዙይ ጥራሕ ግና ኣይኮነን፤ በቲ ብእኡ ዕርቂ ዝረኸብና ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ጌርና፥ ብእግዚኣብሄር ንምካሕ ኣለና።
12
ብሰንኪ ሓደ ሰብ፥ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፤ ብምኽንያት ሓጢኣትውን ሞት መፀ፤ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፥ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ተሓላለፈ።
13
ሕጊ ሙሴ ቕድሚ ምምፃኡ፥ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነበረ፤ እንተ ኾነ ኣብቲ ሕጊ ዘይነበረሉ፥ እቲ ሓጢኣት ከም ሓጢኣት ኣይቝፀርን ነበረ።
14
ሞት ግና፥ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ፥ ኣብቶም ከም ኣዳም ትእዛዝ ብምጥሓስ ሓጢኣት ዘይገበሩውን፥ ነጊሱ ነበረ፤ ኣዳም ከዓ፥ ምሳሌ እቲ ኽመፅእ ዘለዎ ነበረ።
15
ግና ፀጋ እግዚኣብሄርን፥ እቲ በደልን ሓደ ኣይኮነን፤ ብበደል ሓደ ሰብ፥ ብዙሓት ከም ዝሞቱ፥ እቲ ፀጋ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ብኸምኡ ዝተውሃበ፥ ናይቲ ሓደ ሰብ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበ ውህብቶ ፀጋ፥ ኣብ ብዙሓት የመና በዚሑ ኣሎ።
16
እቲ ብፀጋ ዝተረኽበ ውህብቶ፥ ከም ሳዕቤን ናይቲ ብሓደ ሰብ ዝመፀ ሓጢኣት ኣይኮነን። ብሓጢኣት ሓደ ሰብ ዝመፀ ፍርዲ፥ ኵነኔ ኣስዓበ፤ ድሕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ዝተውሃበ ፀጋ ኸዓ፥ ፅድቂ ኣፍረየ።
17
ሞት ብሰንኪ ሓጢኣት ሓደ ሰብ ካብ ነገሰ፥ እቶም ብዙሕ ፀጋ እግዚኣብሄርን፥ ውህብቶ ፅድቅን ዝረኸቡ ደኣ፥ በቲ ሓደ ሰብ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ህይወት ክንደይ ኣብሊፆም ዘይነግሱ!
18
እምበኣር ከምቲ ብናይ ሓደ ሰብ በደል፥ ናብ ኵሉ ሰብ ኵነኔ ዝመፀ፥ ከምኡ ድማ ብናይ ሓደ ግብሪ ፅድቂ፥ ንዅሉ ሰብ ህይወት እትህብ ፅድቂ መፀት።
19
ብዘይ ምእዛዝ ሓደ ሰብ፥ ብዙሓት ሓጥኣን ከም ዝኾኑ፥ ከምኡ ኸዓ ብምእዛዝ እቲ ሓደ፥ ብዙሓት ፃድቃን ክኾኑ እዮም።
20
ሓጢኣት ምእንቲ ኽበዝሕ፥ ሕጊ ኣተወ፤ ኣብቲ ሓጢኣት ዝበዝሖ ግና፥ ኣብኡ ፀጋ የመና በዝሐ።
21
ስለዙይ፥ ከምቲ ሓጢኣት ሞት ብምምፃእ ዝነገሰ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ከዓ ኸምኡ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፥ ብፅድቂ ንዘለኣለም ህይወት ክነግስ እዩ።
← Chapter 4
Chapter 6 →