bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Romans 7
Romans 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣሕዋተይ፥ ሕጊ ንዝፈልጡ እየ ዝናገር ዘለኹ እሞ፥ ሕጊ ንሰብ ዝገዝኦ፥ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ጥራሕ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
2
ሰበይቲ፥ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብሕጊ ምስኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፥ ካብቲ ዝተኣሰረትሉ ሕጊ ፍትሕቲ እያ።
3
እምበኣር ሰብኣያ ብህይወቱ እንተሎ፥ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ኾነት፥ ዘማዊት እያ እትበሃል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፥ ካብቲ ሕጊ ሓራ ወፂኣ እያ እሞ፥ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ተመርዐወት፥ ዘማዊት ኣይኮነትን።
4
ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ፍረ ምእንቲ ኽነፍሪ፥ ንስኻትኩምውን ኣሕዋተይ ንኻልእ፥ ነቲ ኻብ ሞት ዝተስአ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብናይ ክርስቶስ ስጋ፥ ካብ ሕጊ ሓራ ወፂእኹም ኢኹም።
5
ኣብቲ ብስጋ እንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ፥ ብሕጊ ተለዓዒሉ፥ ድልየት ሓጢኣት ኣብ ስጋና ይሰርሕ ነበረሞ፥ ንሞት ዝኸውን ፍረ ኣፍረና።
6
ሕዚ ግና ብብሉይ ናይ ሕጊ ፅሑፍ ኣነባብራ ኽንክተል ዘይኮነስ፥ [ብመንፈስ] ዝኾነ ብሓድሽ መንፈሳዊ ህይወት ክነገልግል፥ ካብቲ ኣሲሩና ዝነበረ ሕጊ፥ ሞይትና ኻብኡ ተፈታሕና።
7
እንታይ ደኣ ኽንብል? ሕጊ ሓጢኣት እዩ ዲና ኽንብል? ኣይንብልን፤ ብዘይ ሕጊ ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሕጊ “ዘይገንዘብካ ኣይትመነ” እንተ ዘይብል፥ ንትምኒት ፈፂመ ኣይምፈለጥክዎን ነይረ።
8
ሓጢኣት፥ ብዘይ ሕጊ ምዉት እዩ፤ ሓጢኣት ግና ነቲ ትእዛዝ ምኽንያት ብምግባር፥ ክፉእ ትምኒታት ኣለዓዓለለይ።
9
ኣነውን ቀደም ሕጊ እንተይመፀ፥ ህያው ነበርኩ፤ ትእዛዝ ምስ መፀ ግና፥ ሓጢኣት ህያው ኮነ፤ ኣነ ኸዓ ሞትኩ።
10
እቲ ህይወት ከምፅእ ዝተውሃበ ትእዛዝ፥ ንኣይ ንሞት ኮነኒ።
11
ሕጊ፥ ንሓጢኣት ምኽንያት ኮይንዎ፥ ብትእዛዝ ኣስሓተኒሞ፥ ብእኡውን ቀተለኒ።
12
እምበኣር እቲ ሕጊ ቕዱስ እዩ፤ እቲ ትእዛዝውን፥ ቅዱስን ፃድቅን ሰናይን እዩ።
13
እቲ ሰናይ ድዩ ደኣ፥ ንኣይ ሞት ዘምፅአለይ? ኣይፋሉን፤ ሞት ዘምፅአለይስ፥ ሓጢኣት እዩ። ሓጢኣት፥ ሓጢኣት ምዃኑ ምእንቲ ኽግለፅ፥ በቲ ሰናይ ገይሩ ሞት ኣምፅአለይ። በዙይ ከዓ እቲ ሓጢኣት፥ ብምኽንያት ትእዛዝ፥ ፍፁም ሓጢኣት ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽግለፅ እዩ።
14
ሕጊ፥ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፤ ኣነ ግና፥ ንሓጢኣት ዝተሸጥኩ ስጋዊ ሰብ እየ።
15
ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እየ፤ ነቲ ዝፀልኦ እየ ዝገብሮ ዘለኹ እምበር፥ ነቲ ዝደልዮ ኣይኮንኩን ዝገብሮ ዘለኹሞ።
16
ኣነ ነቲ ዘይደልዮ ኻብ ዝገብር ግና፥ እቲ ሕጊ ሰናይ ምዃኑ እምስክር ኣለኹ።
17
እምበኣር እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ ዝገብሮ ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን።
18
ሰናይ ንምግባር ደኣ ድልየት ኣለኒ እምበር፥ ሰናይ ግብርስ የብለይን። ስጋዊ ስለ ዝኾንኩ፥ ፅቡቕ ስራሕ ኣባይ ከም ዘየለ እፈልጥ እየ።
19
ነቲ ኽገብሮ ዝደልዮ ሰናይ ዘይኮነስ፥ ነቲ ኽገብሮ ዘይደልዮ ነገር እየ ዝገብር ዘለኹ።
20
ነቲ ኣነ ዘይደልዮ ዝገብሮ ኻብ ኮንኩ ግና፥ ድሕሪ ሕዝስ፥ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝገብሮ ዘለኹ።
21
እምበኣር፥ ኣነ ነቲ ሰናይ ክገብር እናደለኹ፥ ኣብ ልዕለይ እዝ ሕጊ፥ ክፉእ ኣምፂኡለይ ረኸብክዎ።
22
ኣብ ውሽጠይ፥ ብሕጊ እግዚኣብሄር ደስ ይብለኒ እዩ።
23
ግና ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዝዋጋእ፥ ናብቲ ኣብ ሰብነተይ ዘሎ፥ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዝማርኸኒ፥ ካልእ ሕጊ እርኢ ኣለኹ።
24
ኣነ ዝተዋረድኩ ሰብ እየ፤ ካብዝ መዋቲ ሰብነት መን ኮን ከድሕነኒ እዩ?
25
እምበኣርስ ኣነ ብሓሳበይ ንሕጊ እግዚኣብሄር፥ ብስጋይ ድማ፥ ንሕጊ ሓጢኣት እግዛእ ኣለኹሞ፥ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘድሓነኒ እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ።
← Chapter 6
Chapter 8 →