bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Romans 15
Romans 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንሕና ብእምነት ዝፀናዕና፥ ነቶም ብእምነት ዘይፀንዑ ኣሕዋትና፥ ክንድግፎም ደኣ እምበር፥ ንባዕልትና ጥራሕ ክነሐጕስ፥ ኣይግብአናን እዩ።
2
ነፍሲ ወከፍና፥ ንብፃይና ምእንቲ ኽንሃንፆ፥ ሰናይ ንግበረሉ፤ ነሐጕሶውን።
3
ከምቲ ፅሑፍ “ፀርፊ እቶም ዝፀርፉኻ፥ ኣባይ ወደቐ” ዝብሎ፥ ክርስቶስውን እንተ ኾነ፥ ንባዕሉ ኣየሐጐሰንሞ።
4
በቲ ኻብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ዝርከብ ትዕግስትን ምፅንናዕን፥ ተስፋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ኵሉ እቲ ኣቐዲሙ ዝተፅሓፈ፥ ንትምህርትና እዩ ዝተፅሓፈ።
5
ሓቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም፥ ከምቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቦ ንዝኾነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽተኽብሩ፥ እቲ ናይ ትዕግስትን ምፅንናዕን ኣምላኽ፥ ኣብ ንስንሳትኩም፥ ከምቲ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም፥ ሓደ ሓሳብ ከም እትሓስቡ ይግበርኩም።
7
ስለዙይ ከምቲ ክርስቶስ፥ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዝተቐበለኩም፥ ንስንሳትኩም ተቐባበሉ።
8
ክርስቶስ፥ ነቲ ነቦታት ዝተውሃበ ተስፋ ምእንቲ ኸፅንዖ፥ ኣምላኽ ሓቀኛ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኸርኢ፥ ኣገልጋሊ ግርዘት ከም ዝኾነ፥ እነግረኩም ኣለኹ።
9
ከምቲ መፅሓፍ፦ “ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ከመስግነካ እየ፤ ንስምካውን ክዝምር እየ” ዝብሎ፥ ኣህዛብ፥ ንእግዚኣብሄር ብምሕረቱ ምእንቲ ኸመስግንዎ እዩ።
10
ደጊሙውን “ኣቱም ኣህዛብ፥ ምስ ህዝቡ ዄንኩም ተሓጐሱ” ይብል።
11
ቀፂሉ ኸዓ፥ “ኵልኻትኩም ኣህዛብ፥ ንጐይታ ኣመስግንዎ፤ ኵሎም ህዝብታትውን፥ ይወድስዎ” ይብል።
12
ኢሳይያስውን፥ “ካብ ሱር እሴይ ክትስእ እዩ፤ ንሱ ኣብ ኣህዛብ ክገዝእ እዩ፤ ብእኡ ኸዓ፥ ኣህዛብ ተስፋ ኽገብሩ እዮም” ይብል።
13
ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፥ ተስፋኹም ኣፀቢቑ ምእንቲ ኽዓቢ፥ እቲ ዝኣመንኩምዎ ናይ ተስፋ ኣምላኽ፥ ኵሉ ሓጐስን ሰላምን ይምላእኹም።
14
ኣሕዋተይ፥ ብሰናይ ነገርን፥ ብዅሉ ፍልጠትን ከም ዝተመላእኹም፥ ንስንሳትኩምውን ምምዕዓድ ከም እትኽእሉ፥ ኣነ ባዕለይ ተረዲአዮ ኣለኹ።
15
በቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተውሃበኒ ፀጋ፥ ከዘኻኽረኩም ደልየ፥ ብዛዕባ ሓድሓደ ነገራት፥ ብድፍረት ፅሒፈልኩም ኣለኹ።
16
እዙይ ከዓ፥ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደሰ መስዋእቲ ኾይኖም ዝቐረቡ ኣህዛብ፥ ብኣምላኽ ቅቡላት ምእንቲ ክኾኑ፥ ካህን ወንጌል ኣምላኽ ኮይነ፥ ንኣህዛብ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ምእንቲ ክኸውን እዩ።
17
ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘገልግል፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ እምካሕ ኣለኹ።
18
እንተ ኾነ፤ ኣህዛብ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽእዘዙ ኢሉ፥ ክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ዝሰርሖ ዘሎ እንተ ዘይኮይኑ፥ ብኻልእ ኽዛረብ ኣይደፍርን።
19
ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስን፥ ብዘደንቕ ምልክትን ተኣምራትን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚረ ኽሳዕ እልዋሪቆን፥ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ሰበኽኩ።
20
ከምቲ ኣብ መፅሓፍ፥ “እቶም ብዛዕባኡ ዘይተነገሮም፥ ክሪኡ እዮም፤ እቶም ብዛዕባኡ ዘይሰምዑውን፥ ከስተውዕሉ እዮም” ዝብሎ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ሰብ ዝመስረቶ ምእንቲ ኸይሃንፅ፥ ክርስቶስ ኣብ ዘይተፀውዐሉ ዅሉ ስፍራ፥ ወንጌል ክሰብኽ ብርቱዕ ድልየት ኣለኒ።
22
ስለዙይ ከዓ እየ፥ ናባኻትኩም ካብ ምምፃእ፥ ብዙሕ ጊዜ ዝተኸልከልኩ።
23
ሕዚ ግና ኣብዝ ሃገርዙይ ዝነበረኒ ስራሕ ወንጌል ስለ ዝወዳእኹ፥ ካብ ብዙሕ ዓመታት ሒዘውን፥ ናባኻትኩም ክመፅእ ድልየት ስለ ዝነበረኒ፥
24
ንእስፔይን ክኸይድ እንተለኹ፥ ክሪአኩም በኣኻትኩም ክሓልፍ እየ፤ ንኣኻትኩም ሪአ ምስ ተሓጐስኩ፥ ናብኡ ክኸይድ እየ፤ ንስኻትኩም ድማ ብዘድሊ ኸም እተፋንዉኒ፥ ተስፋ እገብር ኣለኹ።
25
ሕዚ ግና፥ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዘለዉ ቕዱሳን ምእንቲ ኸገልግል፥ እኸይድ ኣለኹ።
26
እቶም ናይ መቄዶንያን ኣካይያን ቅዱሳን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ካብ ዘለዉ ቅዱሳን፥ ነቶም ድኻታት ገንዘብ ከዋፅኡሎም ፈትዮም ኣለዉሞ።
27
ግቡኦም ስለ ዝኾነውን፥ ተሰማሚዖም እዮም። እቶም ኣህዛብ፥ ካብቲ መንፈሳዊ በረኸት ካብ ተኻፈሉ፥ ንሳቶም ድማ፥ በቲ ስጋዊ በረኸት ከገልግልዎም ግቡእ እዩ።
28
እምበኣር ነዙይ ፈፂመ፥ ኣገልግሎተይ ምስ ወዳእኹ፥ ብኣኻትኩም ኣቢለ፥ ንእስፔይን ክኸይድ እየ።
29
ናባኻትኩም ክመፅእ እንተለኹ ኸዓ፥ ብበረኸት ክርስቶስ መሊአ ኸም ዝመፅእ፥ እፈልጥ ኣለኹ።
30
ኣሕዋተይ፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብፍቕሪ መንፈስ ቅዱስን፥ ምእንታይ ናብ እግዚኣብሄር፥ ብፀሎት ምሳይ ክትጋደሉ እልምነኩም ኣለኹ።
31
እትፅልዩለይ ከዓ፥ ካብቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ዘይኣምኑ ምእንቲ ኽድሕንን፥ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘወፍዮ ኣገልግሎተይ ድማ፥ በቶም ቅዱሳን ቅቡል ክኸውንን፥
32
ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ብሓጐስ ናባኻትኩም መፂአ፥ ምሳኻትኩም ምእንቲ ኸዕርፍን እዩ።
33
ኣምላኽ ሰላም፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
← Chapter 14
Chapter 16 →