bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Romans 16
Romans 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ነታ ንቤተ ክርስቲያን ክንክርኤስ ኣገልጋሊት ዝኾነት ፌቤን ሓፍትና፥ ናባኻትኩም ኣማሕፅና ኣለኹ።
2
ንቕዱሳን ከም ዝግባእ ጌርኩም፥ ብጐይታ ተቐበልዋ፤ ብዘድልያ ዅሉ ኸዓ ደግፍዋ። ንሳ ንኣይን ንብዙሓትን፥ ኣገልጊላ እያ እሞ።
3
ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ መሳርሕተይ ዝኾኑ፥ ጵርስቅላን ኣቂላን ሰላም በሉለይ።
4
ንሳቶም ምእንታይ፥ ህይወቶም ንምሕላፍ ዝተዳለዉ ነይሮም እዮም እሞ፥ ስለዙይውን አመስግኖም ኣለኹ፤ ኣነ በይነይ ዘይኮንኩስ፥ ኣብያተ ክርስቲያን ኣህዛብ ኵለን እየን ዘመስግናኦም።
5
ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ቤተ ክርስቲያን፥ ሰላም በሉለይ። ነቲ ንክርስቶስ ብምእማን፥ ኣብ እስያ መጀመርታ ዝኾነ ኤጴኔጦስ ፍቑረይ፥ ሰላም በሉለይ።
6
ነታ ብዙሕ ዝፀዓረትልኩም ማርያም፥ ሰላም በሉለይ።
7
ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣት፥ ቅድመይ ድማ ብክርስቶስ ዝኣመኑ፥ ምሳይውን ተኣሲሮም ንዝነበሩ ኣዝማደይ ኣንድራኒቆንን ዩልያንን፥ ሰላም በሉለይ።
8
ነቲ ብጐይታ ፍቑረይ ዝኾነ ኣንጵልያጦን፥ ሰላም በሉለይ።
9
ነቲ ብክርስቶስ መሳርሕትና ዝኾነ ኡርባኖስን ንስጣክስ ፍቑረይን፥ ሰላም በሉለይ።
10
ነቲ ምእንቲ ክርስቶስ ፈተና ተቐቢሉ፥ እሙን ኾይኑ ዝተረኽበ ኤጴሌን፥ ሰላም በሉለይ። ንእንዳ ኣርስጠቦሉ፥ ሰላም በሉለይ።
11
ንሄሮድያና ዘመደይ፥ ሰላም በሉለይ። ነቶም ኣብ እንዳ ርቃሱ፥ ብጐይታ ዝኣመኑ፥ ሰላም በሉለይ።
12
ነተን ብጐይታ ዝፅዕራ ዘለዋ ንፕሮፊሞን ንጢሮሞሳን፥ ሰላም በሉለይ። ነታ ብጐይታ ብዙሕ ዝፀዓረት ፍቕርቲ ጰርሲዳ፥ ሰላም በሉለይ።
13
ነቲ ብጐይታ ዝተሓርየ ሩፎንን ንኖኡን፥ ንኣይውን እነይ፥ ሰላም በሉለይ።
14
ንኣስቀሪጦንን ንኣፍለሶንጳ ፍሌጐንን ሄርሜስን ንጰጥሮባንን ሄርማንን፥ ምስኣቶም ንዘለዉ ኣሕዋትን፥ ሰላም በሉለይ።
15
ንፍሌጐንን ንዩልያን ንኔርያን ንሓፍቱን ንኣልንጦንን፥ ምስኣቶም ንዘለዉ ዅሎም ቅዱሳንን፥ ሰላም በሉለይ።
16
ንስንሳትኩም ከዓ፥ ብቕዱስ ሰላምታ ሰላም ተበሃሃሉ። ኵለን ናይ ክርስቶስ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ።
17
ኣሕዋተይ፥ ክትፍፅምዎ ኣብ ልዕሊ ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዝቓወሙን፥ ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይን ፀገማትን ካብ ዘምፅኡ ሰባት ክትጥንቀቑ፥ ካብኣቶምውን ኽትርሕቑ ሓደራ እብለኩም ኣለኹ።
18
እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኮነስ፥ ንኸብዶም እዮም ዝግዝኡ። ብነገር ብምትላልን፥ የዋህ ብምምሳልን፥ ንብዙሓት ገርህታት የስሕትዎም እዮም እሞ።
19
ንወንጌል ተኣዘዝቲ ምዃንኩም፥ ኣብ ኵሉ ስለ ዝተሰምዐ፥ ብኣኻትኩም ሕጉስ እየ። ንሰናይ ነገር ብልህታት፥ ንክፉእ ግና የዋሃት ክትኮኑ እደሊ ኣለኹ።
20
ኣምላኽ ሰላም ድማ፥ ንሰይጣን ቀልጢፉ፥ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ክቕጥቅጦ እዩ። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምሳኻትኩም ይኹን።
21
ጢሞቴዎስ፥ እቲ መሳርሕተይ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኣዝማደይ ሉቂዮስ ኢያሶንን ሱሲ ጳጥሮስን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
22
ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝፀሓፍኩ፥ ኣነ ጠርጥዮስ፥ ብጐይታ ሰላም እብለኩም ኣለኹ።
23
እቲ ንኣይ ከም ጋሻ ዝተቐበለ፥ እታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ኣብ ገዛኡ ኽትእከብ ዝፈቐደ ጋይዮስ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኣርስጦስ፥ እቲ ናይታ ኸተማ ተሓዚ ገንዘብን፥ ቈኣስጥሮስ ሓውናን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
24
ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን! ኣሜን።
25
ነቲ፥ ብመሰረት እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ፥ ሕዚ ግና ዝተገልፀ ምስጢር፥ ከምቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌልን፥ ከምቲ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝስበኾ ዘሎን ገይሩ፥ ኣብ እምነትኩም ከፅንዐኩም ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ክብሪ ይኹኖ።
26
ሕዚ ግና፥ እቲ ምስጢር ብመፃሕፍቲ ነቢያት፥ ተግሂዱ ኣሎ። ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ፥ ኵሎም ኣሚኖም ምእንቲ ኽእዘዝዎ፥ ብዅሎም ኣህዛብ ከም ዝፍለጥ ተገይሩ ኣሎ።
27
ነቲ በይኑ በዓል ጥበብ ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ! ኣሜን።
← Chapter 15