bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Romans 14
Romans 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ነቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ ሰብ ተቐበልዎ፤ ኣብ ሓሳቡውን ኣይትፍረዱ።
2
ኵሉ ንምብላዕ ከም ዝተፈቕደሉ ዝኣምን ኣሎ፤ እቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ፥ ኣትክልቲ ጥራሕ እዩ ዝበልዕ።
3
እቲ ዝበልዕ፥ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ፤ እቲ ዘይበልዕውን፥ ነቲ ዝበልዕ ኣይንቀፎ፤ እግዚኣብሄር ተቐቢልዎ እዩ እሞ።
4
ንስኻኸ ኣብ ሓሽከር ኻልእ እትፈርድ፥ እንታዋይ ኢኻ? ንሱ እንተ ተስአን እንተ ወደቐን፥ ንጐይታኡ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከተስኦ ስለ ዝኽእል ከዓ፥ ክትስእ እዩ።
5
እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ፥ ካብታ ኻልእ ኣብሊፁ ይሪኣ፤ እቲ ሓደ ግና፥ ንዅላተን መዓልቲታት ማዕረ ገይሩ ይሪአን። ነፍሲ ወከፍ፥ ልቡ ዝኣመነሉ ይግበር።
6
እቲ ንሓንቲ መዓልቲ ዘኽብር፥ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘኽብር። እቲ ዝበልዕ ድማ፥ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዝበልዕ፤ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ እዩ እሞ። እቲ ዘይበልዕውን፥ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፤ ንእግዚኣብሄር ከዓ የመስግኖ እዩ።
7
ካባና፥ ንባዕሉ ኢሉ ዝነብር ወይ ንባዕሉ ኢሉ ዝመውት፥ ሓደኳ የለን።
8
ብህይወት እንተ ነበርና፥ ንጐይታ ኢና እንነብር፤ እንተ ሞትናውን፥ ንእግዚኣብሄር ኢና እንመውት። ስለዙይ ብህይወት እንተ ነበርና ወይ እንተ ሞትና፥ ናይ እግዚኣብሄር ኢና።
9
ስለዙይ ከዓ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታንን ህያዋንን፥ ምእንቲ ክኸውን ኢሉ እዩ፥ ዝሞተን ካብ ሞት ዝተስአን።
10
ስለ ምንታይ ደኣ፥ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ? ንምንታይከ፥ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቖ? ኵላትና፥ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ እግዚኣብሄር፥ ክንቀውም ኢና።
11
“ኣነ ህያው እየ፤ ኵሉ ብርኪ ኽምብርከኽ፥ ኵሉ ልሳንውን፥ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ክምስክር እዩ፤ ይብል ጐይታ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ።
12
እምበኣር ኵላትና፥ ነፍሲ ወከፍ ንእግዚኣብሄር መልሲ ኽንህብ ኢና።
13
ስለዙይ ኣብ ንስንሳትና፥ ደጊም ኣይንፍረድ። የግዳስ፥ ሓደ ንሓዉ መዐንቀፊ ወይ መሐንኰሊ ኸይገብረሉ፥ ይጠንቀቕ።
14
ነቲ ኸም ርኹስ ዝሪኦ ደኣ እዩ ርኹስ ዝኾኖ እምበር፥ ብተፈጥሮኡ ርኹስ ነገር ከም ዘየለ፥ ብጐይታና ብኢየሱስ፥ ፈሊጠን ተረዲአን ኣለኹ።
15
በቲ እትምገቦ ምግቢ፥ ሓውካ ዝጕዳእ እንተ ኾይኑ፥ ብፍቕሪ ኣይኮንካን እትነብር ዘለኻ። ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ሰብ፥ ብትምገቦ ምግቢ ኣይተጥፍኣዮ።
16
ስለዙይ ኣባኻትኩም ዘሎ ሰናይ ነገር እዩ እትብልዎ፥ ካልኦት ከም ዝነቕፍዎ ኣይትግበሩ።
17
መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ፅድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፥ ብልዕን መስተን ኣይኮነትን እሞ።
18
እቲ በዝ ኸምዙይ ንክርስቶስ ዘገልግል፥ ንእግዚኣብሄር የሐጕሶ፤ ብሰብውን ምስጉን እዩ።
19
እምበኣር ኣሰር ሰላምን፥ ኣሰር እቲ ንስንሳትና እንተሃናነፀሉ ነገርን፥ ንስዓብ።
20
ብምኽንያት ምግቢ፥ ንስራሕ እግዚኣብሄር ኣይተፍርሶ። ብርግፅ ዅሉ ንፁህ እዩ፤ ነቲ ብምውልዋል ዝበልዕ ሰብ ግና፥ ክፉእ እዩ።
21
ሓውካ ዝዕንቀፈሉ እንተ ኾይኑ፥ ስጋ ዘይምብላዕ፥ ወይኒ ዘይምስታይ ወይ ካልእ ዘዐንቅፍ ነገር ዘይምግባር ሰናይ እዩ።
22
እቲ ዘለካ እምነት፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንባዕልኻ ይኹነልካ። እቲ በቲ ቕኑዕ እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ፥ ንባዕሉ ዘይፈርድ ሰብ፥ ብፁእ እዩ።
23
እቲ እናተጠራጠረ ዝበልዕ ግና፥ ብእምነት ስለ ዘይበልዐ፥ ኵኑን እዩ፤ ብእምነት ዘይግበር ኵሉ፥ ሓጢኣት እዩ እሞ።
← Chapter 13
Chapter 15 →