bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Romans 13
Romans 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ዘይኮይኑ ስልጣን የለንሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ በዓል ስልጣን ይተኣዘዝ። እቶም ዘለዉ ሰብ ስልጣንውን፥ ብእግዚኣብሄር ዝተሸሙ እዮም።
2
ስለዙይ፥ ንበዓል ስልጣን ዝቃወም፥ ንስርዓት እግዚኣብሄር እዩ ዝቃወም። እቶም ዝቃወሙ ድማ፥ ንባዕላቶም ቅፅዓት የምፅኡ።
3
ሰብ ስልጣን፥ ስራሑ ኽፉእ ንዝኾነ እምበር፥ ስራሑ ፅቡቕ ንዝኾነ፥ ኣየፍርሑን እዮም። ንሰብ ስልጣን ከይትፈርሕ እንተ ደሊኻ፥ ፅቡቕ ግበር። ንሱ ድማ ኸመስግነካ እዩ።
4
ንሱ፥ እግዚኣብሄር ንሰናይካ ኢሉ ዝሸሞ ኣገልጋሊ እዩ እሞ። ክፉእ እንተ ገበርካ ግና ፍራሕ፤ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቖን እዩሞ። ንሱ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ኽፉእ ዝገብር ክቐፅዕ፥ ልኡኽ ቍጥዓ እግዚኣብሄር እዩ።
5
ስለዙይ መቕፃዕቲ ፈሪሕኹም ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ሕሊናኹም ስለ ዝወቕሰኩምውን፥ ክትግዝኡ ይግብአኩም እዩ።
6
ግብሪ እትኸፍልዎውን ነዙይ እዩ፤ እዞም ሰብ ስልጣናት፥ ኣብዝ ስራሕ እዙይ ዝተዋፈሩ፥ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር እዮም እሞ።
7
እምበኣር ንዅሉ ኸከምዝግብኦ ግበሩ፤ ግብሪ ንዝግብኦ ግብሪ፥ ፍርሓት ንዝግብኦ ፍርሓት፥ ክብሪ ንዝግብኦ ኽብሪ ሃቡ። ንዅሉ እቲ ዘዝግብኦ ሃቡ።
8
እንትርፊ ንስንሳትኩም ምፍቓር፥ ምስ ሓደኳ ኻልእ ዕዳ ኣይሃሉኹም፤ እቲ ንብፃዩ ዘፍቅር፥ ንሕጊ ፈፂምዎ እዩ እሞ።
9
እቲ “ኣይትዘሙ፤ ኣይትቕተል፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ዘይናትካ ኣይትመነ” ዝብል ካልእ ትእዛዛትውን፥ “ንብፃይካ፥ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” ብዝብል ትእዛዝ ተጠቓሊሉ እዩ።
10
ፍቕሪ፥ ንብፃዩ ኽፉእ ኣይገብርን፤ እምበኣር ፍቕሪ፥ መፈፀሚ ሕጊ እዩ።
11
ነቲ ዘመን ፍለጥዎ፤ ካብ ድቃስ እትበራበሩሉ እዋን ሕዚ እዩ፤ ምድሓንና፥ ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜ፥ ሕዚ የመና ቐሪቡ ኣሎ።
12
ለይቲ ሓሊፋ፥ መዓልቲ ቐሪባ ኣላ። ስለዙይ ግብሪ ፀልማት ካባና ደርቢና፥ ኣፅዋር ብርሃን ንልበስ።
13
ብጐይላን ስኽራንን፥ ብምንዝርናን ዕብዳንን፥ ብባእስን ቅንኣትን ዘይኮነስ፥ ከም ብመዓልቲ፥ ብቕንዕና ንንበር።
14
ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፥ ድልየቱ ንኽፍፅም፥ ንስጋኹም ኣይትሕሰቡ።
← Chapter 12
Chapter 14 →