bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Romans 12
Romans 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስን፥ መስዋእቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ፥ ብምሕረት እግዚኣብሄር እልምነኩም ኣለኹ፤ እዙይ ድማ እቲ ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።
2
እቲ ሰናይን ዘሐጕስን ፍፁምን ዝኾነ ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፥ ነዝ ዓለም እዙይ ኣይትምሰሉ።
3
ከምቲ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መጠን እምነት ገይሩ ደኣ፥ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፥ ካብቲ ዝግብኦ ኣብሊፁ ኸይሓስብስ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእኸልኩም ንዘሎ፥ ብዝተውሃበኒ ፀጋ እምዕዶ ኣለኹ።
4
ከምቲ ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሕ ኣካላት ዘለና፥ እቶም ኣካላት ድማ ተግባሮም ሓደ ዘይኮነ፥
5
ከምኡውን ንሕና ብዙሓት እንትንከውን፥ ብክርስቶስ ሓደ ሰብነት ኢና። ነፍሲ ወከፍና ድማ፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኢና።
6
ከምቲ ብፀጋ እግዚኣብሄር ዝተቐበልናዮ፥ በበይኑ ዝኾነ ውህብቶ ዘለና፥ ትንቢት እንተ ኾይኑ፥ ብመጠን እምነት ይኹን።
7
ኣገልግሎት እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ኣገልግሎቱ ይትጋህ፤ ዝምህርውን፥ ኣብ ምምሃር ይፅናዕ፤
8
ዝምዕድ፥ ኣብ ምምዓድ ይትጋህ፤ ዝህብ፥ ብልግሲ ይሃብ፤ ዝመርሕ፥ ብትግሃት ይምራሕ፤ ዝርህርህ ኸዓ ብሓጐስ ይራህርህ።
9
ግብዝና ዘይብሉ ፍቕሪ ይሃልኹም። ንኽፍኣት ተፀየፍዎ፤ ንሰናይ ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ።
10
ኣብ ንስንሳትኩም፥ ልባዊ ዝኾነ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፤ ንስንሳትኩም ክትከባበሩ ድማ ተቐዳደሙ።
11
ኣብ ኣገልግሎትኩም ኣይትተሃከዩ፤ ብመንፈስ ዝተቓፀልኩም ኩኑ፤ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ፤
12
ብተስፋ ተሓጐሱ፤ ብመከራ ተዓገሱ፤ ብፀሎት ፅንዑ።
13
ብዘድልዮም ንቅዱሳን ሓግዙ፤ ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ።
14
ንዘሳጕጉኹም መርቑ፤ መርቑ እምበር ኣይትርገሙ።
15
ምስቶም ዝሕጐሱ ተሓጐሱ፤ ምስቶም ዝበኽዩ ብኸዩ።
16
ንስንሳትኩም ብሓደ ሓሳብ ተስማምዑ፤ ናይ ትዕቢት ነገር ኣይትሕሰቡ፤ ግና ናይ ትሕትና ነገራት ንምስራሕ ትግሁ፤ ፈላጣት ኢና ኢልኩም ኣይትሕሰቡ።
17
ነቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ቅኑዕ ዝኾነ ደኣ ሕሰቡ እምበር፥ ንሓደኳ ኽፉእ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ።
18
ብወገንኩም፥ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክትነብሩ፥ ዝከኣለኩም ግበሩ።
19
ፍቑራተይ፥ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፥ ‘ኣነ ኽፈድዮ እየ’ ይብል ጐይታ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ባዕሉ ኽፈድዮ ሕደጉሉ እምበር፥ ባዕልኻትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።
20
ግና “ፀላኢኻ እንተ ጠመየ፥ ኣብልዓዮ፤ እንተ ፀምአውን፥ ኣስትዮ። እዙይ ብምግባርካ፥ ጓህሪ ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ።”
21
ነቲ ኽፉእ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ሰዓሮ እምበር፥ ብኽፉእ ኣይትሰዓር።
← Chapter 11
Chapter 13 →