bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Romans 11
Romans 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እምበኣር እግዚኣብሄር ንህዝቡ ገዲፍዎም እዩዶ ኽብል? ኣይፋሉን፤ ኣነ እኳ ንባዕለይ እስራኤላዊ፥ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም፥ ካብ ነገድ ብንያም እየ።
2
እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣቐዲሙ ዝሓረዮ ህዝቡ ኣይገደፎን። ብዛዕባ ኤልያስ እተፅሓፈ፥ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ንእስራኤላውያን እንታይ ኢሉ ኸም ዝኸሰሶምዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
3
“ጐይታይ ንነቢያትካ ቐተልዎም፤ መሰውኢታትካውን ኣፍረሱ፤ ኣነ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ፤ ንነፍሰይ ድማ ይደልዩዋ ኣለዉ” በለ።
4
እግዚኣብሄር ግና “ነቲ በዓል ዝበሃል ጣዖት ዘይሰገዱ፥ ንባዕለይ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ኣትሪፈ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
5
ከምኡ ኸዓ፥ በዝ ዘመንዙይ፥ ብፀጋ ተሓርዮም ዝተረፉ ኣለዉ።
6
እምበኣር ብፀጋ ኻብ ኮነ፥ ብግብሪ ኣይኮነን፤ ብግብሪ እንተ ዝኸውንስ፥ እቲ ፀጋ፥ ፀጋ ኣይምኾነን።
7
እምበኣር እንታይ ደኣ እዩ? እስራኤላውያን ነቲ ዝደልይዎ ዝነበሩ ኣይረኸብዎን፤ እቶም ሕሩያት ግና ረኸብዎ፤ እቶም ዝተረፉ ኸዓ ኸምቲ ፅሑፍ፦ “ኣዒንቶም ከይሪኣ፥ ኣእዛኖምውን ከይሰምዓ፥ እግዚኣብሄር ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ፥ ድንዙዝ መንፈስ ሃቦም።”
9
ዳዊት ከዓ፦ “ማእዶም መፃወድያን መድፈንን፥ መዐንቀፍን ፍዳን ይኹኖም፤
10
ምእንቲ ኸይሪኡ ኣዒንቶም ይፀልምታ፤ ሕቘኦም ከዓ ንሓዋሩ ይጕበጥ” ይብል።
11
እምበኣርከ፥ እስራኤላውያን ኣብኡ ወዲቖም ምእንቲ ኽተርፉ ድዮም ዝተዓንቀፉ? ኣይፋሎምን፤ እንተ ኾነ ምእንቲ ንኣኣቶም ከቕንኦም፥ ብበደሎም፥ ንኣህዛብ ምድሓን ኮነሎም።
12
በደሎም ንዓለም በረኸት ካብ ኮነ፥ ውድቀቶምውን ንኣህዛብ በረኸት ካብ ኮነ፥ ምልኣቶም ደኣ፥ ክንደይ ዝበለፀ ይኾን!
13
ምናልባሽ ነቶም ዓሌተይ ዝኾኑ እንተ ኣቕናእኽዎም፥ ካብኣቶምውን ንገሊኣቶም እንተ ኣድሓንኩስ፥ ንኣኻትኩም ንኣህዛብ እብለኩም ኣለኹ። ኣነ ንኣህዛብ ሃዋርያ ኸም ምዃነይ፥ ብኣገልግሎተይ እሕበን እየ።
15
እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ምስ ገደፎም፥ ንዓለም ዕርቂ ኻብ ኣምፅአላ፥ ምስ ተቐበሎም ግዳ፥ ካብ ሞት ናብ ህይወት ምምላስ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
16
እቲ ኸም በዅራት ዝቐረበ ብሒቝ፥ ዝተቐደሰ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ እቲ ዝተረፈ ቕዱስ እዩ፤ እቲ ሱር ዝተቐደሰ እንተ ደኣ ኾይኑ ኸዓ፥ እቲ ጨናፍርውን ቅዱስ እዩ።
17
ካብቶም ጨናፍር ገሊኣቶም እንተ ተሰብሩ እሞ፥ ንስኻ ኣውሊዕ በረኻ እንተለኻ፥ ኣብ ስፍራኦም እንተ ተተኸልካ፥ ካብቲ ሱር ኣውሊዕ ዝወፅእ ማራ፥ ተኻፋሊውን እንተ ዄንካ፥
18
ኣብቶም ጨናፍር ኣይትተዓበ። እቲ ሱር እዩ ንኣኻ ፆይሩካ ዘሎ እምበር፥ ንስኻ ኣይኮንካን፥ ነቲ ሱር ፆይርካዮ ዘለኻ፥
19
ምናልባሽ ንስኻ “ኣነ ምእንቲ ኽትከል እዮም፥ እቶም ጨናፍር ዝተሰብሩ” ትብል ትኸውን።
20
ፅቡቕ፤ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፤ ንስኻ ግና ስለ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣለኻ። ስለዙይ ፍራሕ ደኣ እምበር፥ ብልብኻ ኣይትተዓበ።
21
እግዚኣብሄር፥ ነቶም ብባህርዮም ጨናፍር ዝነበሩ፥ ካብ ዘየናሕሰየሎም፥ ንኣኻውን ኣየናሕስየልካን እዩ።
22
እምበኣር ናይ ኣምላኽ ሕያዋይነትን፥ ጭካነን ኣስተውዕል፤ ኣምላኽ ነቶም ዝወደቑ ጨካን፥ ንኣኻ ግና ኣብ ሕያዋይነቱ ፀኒዕኻ እንተ ነበርካ፥ ሕያዋይ እዩ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ንስኻውን ክትቍረፅ ኢኻ።
23
ንሳቶም ኣብቲ ዘይምእማኖም እንተ ዘይፀንዑ ግና፥ ክትከሉ እዮም። እግዚኣብሄር መሊሱ ኽተኽሎም ይኽእል እዩ እሞ።
24
ንስኻ ኻብቲ ብፍጥረቱ ኣውሊዕ በረኻ ዝተቘረፅካ፥ ኣብዘይ ፍጥረትካ፥ ኣብ ሰናይ ኣውሊዕ ኻብ ተተኸልካስ፥ እቶም ብፍጥረቶም ጨናፍር ኣውሊዕ ዝነበሩ ግዳ፥ ክንደይ ኣብቲ ናይ ባዕልቶም ኣውሊዕ ዘይትከሉ!
25
ኣሕዋተይ፥ ምእንቲ “ፈላጣት ኢና” ኢልኩም ከይትምክሑስ፥ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትፈልጡ እፈቱ። ንገሊኣቶም እስራኤላውያን ትረት ልቢ ዝበፅሖም፥ ኣህዛብ ናብ ድሕነት ብምልኣት ክሳዕ ዝምለሱ እዩ።
26
ከምቲ መፅሓፍ “መድሓኒ ኻብ ፅዮን ክመፅእ እዩ፤ ካብ ዘርኢ ያእቆብ ሓጢኣት ከርሕቕ እዩ፤ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሓቕኩ ኸዓ፥ እቲ ምስኣቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ” ዝብሎ፥ እስራኤላውያን ብምሉኦም ክድሕኑ እዮም።
28
ብወገን ወንጌል፥ ምእንታኻትኩም ፀላእቲ እዮም፤ ብወገን ምሕራይ ግና፥ ምእንቲ ኣቦታት ፍቑራት እዮም፤
29
እግዚኣብሄር፥ ብውህብቶኡን ፃውዒቱን፥ ኣይናሳሕን እዩ እሞ።
30
ንስኻትኩም ቀደም ንእግዚኣብሄር ኣይተኣዘዝኩምዎን፤ ሕዚ ግና፥ ብናይ እስራኤል ዘይምእዛዝ ተምሓርኩም።
31
ከምኡውን ንሳቶም፥ በቲ ንስኻትኩም ዝተምሓርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኽምሓሩ፥ ሕዚ ኣይተኣዘዙን።
32
እግዚኣብሄር፥ ምሕረቱ ምእንቲ ንዅሉ ኸርኢ፥ ንዅሎም ኣብቲ ዘይምእዛዝ ዓፅዩዎም እዩ እሞ።
33
ናይ እግዚኣብሄር ሃብቱን ጥበቡን ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቝ እዩ! ንፍርዱ ኽምርምሮ ዝኽእል የለን፤ ንመንገዱውን ክረኽቦ ዝኽእል የለን።
34
ሓሳብ እግዚኣብሄር ዝፈልጥ መን እዩ? ዘማኽሮኸ መን እዩ?
35
ንእግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ዝሃቦ እሞ፥ ዝፍደዮ መን እዩ?
36
ኵሉ ኻብኡን ብእኡን ንእኡን እዩ፤ ንእኡ፥ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን!
← Chapter 10
Chapter 12 →