bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Romans 10
Romans 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ድልየት ልበይን፥ ናብ እግዚኣብሄርውን ዘቕርቦ ፀሎትን፥ እስራኤል ምእንቲ ኽድሕኑ እዩ።
2
ኣብ ቅኑዕ ፍልጠት ዝተመስረተ ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ንእግዚኣብሄር ከም ዝቐንኡስ፥ ኣነ እምስክረሎም እየ።
3
ነቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ፅድቂ ሰኣን ምፍላጦም፥ ፅድቂ ርእሶም ከቑሙ ብምድላዮም፥ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ኣየግዝኡን።
4
ዝኣምን ኵሉ ምእንቲ ኽፀድቕ፥ ክርስቶስ ናይ ሕጊ ፍፃሜ እዩ።
5
ሙሴ ብዛዕባ እቲ ሕጊ ብምፍፃም ዝመፅእ ፅድቂ፥ “እቲ ንሕጊ ዝፍፅሞ ሰብ፥ ብእኡ ብህይወት ይነብር” ኢሉ ፅሒፉ እዩ እሞ።
6
እቲ ኻብ እምነት ዝመፅእ ፅድቂ ግና ኸምዙይ ይብል፦ “ብልብኻ፥ [ንክርስቶስ ከውርዶ] ‘ናብ ሰማይ ዝድይብ መን እዩ?’ ኣይትበል።
7
ወይ [ንክርስቶስ ካብ ሞት ከተስኦ] ‘ናብ ሲኦል ዝወርድ መን እዩ?’ ኣይትበል።”
8
እንታይ ደኣ ይብል? “እቲ ቓል” ንሱውን እቲ ንሕና እንሰብኮ ቓል እምነት፥ “ኣብ ጥቓኻ፥ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን እዩ” ይብል።
9
ስለዙይ ብኣፍካ፥ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ኢልካ እንተ መስከርካ፥ ብልብኻውን፥ እግዚኣብሄር ካብ ሞት ከም ዘተስኦ እንተ ኣሚንካ፥ ትድሕን።
10
ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይፀድቕ፤ ብኣፉ መስኪሩውን ይድሕን እዩ እሞ።
11
እቲ ፅሑፍውን “ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ኣይሓፍርን እዩ” ይብል።
12
ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን፥ ኣፈላላይ የለን፤ ንሱ ናይ ኵሉ ጐይታ እዩ፤ ነቶም ዝፅውዕዎ ዅሎም ድማ፥ ኣበርኪቱ ዝህብ እዩ።
13
“ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ክድሕን እዩ እሞ።”
14
ግናኸ ብእኡ እንተይኣመኑ፥ ከመይ ኢሎም ክፅውዕዎ እዮም? ብዛዕባኡ እንተይሰምዑኸ፥ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኽኣምኑ እዮም? ብዘይ ሰባኺኸ፥ ከመይ ገይሮም ክሰምዑ እዮም?
15
ከምቲ መፅሓፍ፥ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜና ዘብስሩ፥ ከመይ ፅቡቓት እየን” ዝበሎ፥ እንተ ዘይተልኣኹኸ፥ ከመይ ገይሮም ክሰብኩ እዮም?
16
ግና ኸምቲ ኢሳይያስ “ጐይታይ፥ ንምስክርነትና መን ኣመኖ?” ዝበሎ፥ ኵላቶም ንቓል ወንጌል ኣይተኣዘዙን።
17
እምበኣር፥ ምእማን ካብ ምስማዕ እዩ፤ እቲ ምስማዕውን፥ ብቓል እግዚኣብሄር እዩ።
18
እምበኣርከስ፥ ኣይሰምዑንዶ እብል ኣለኹ? እወ “ድምፆም ናብ ኵሉ ምድሪ ወፀ፤ ቃሎምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም በፅሐ” ኸም ዝበሎ፥ ብርግፅ ሰሚዖም ኣለዉ።
19
እሞ እስራኤላውያንከ፥ ኣይፈለጡን ድየ ዝብል? ሙሴስ ኣቐዲሙ፦ “ህዝቢ ብዘይኮነ፥ ከቕንኦም እየ፤ ምስትውዓል ብዘይብሉ ህዝቢ እውን፥ ከቈጥዖም እየ” ይብል።
20
ኢሳይያስውን ደፊሩ፥ “ነቶም ዘይደለዩኒ ተረኸብኩሎም፤ ንዘይጠየቑኒውን ተገለፅኩሎም” ይብል።
21
ብዛዕባ እስራኤል ግና “ነቲ ዘይእዘዝን ተቓዋምን ህዝቢ፥ ኵሉ መዓልቲ ኣእዳወይ ዘርጋሕኹ” ይብል።
← Chapter 9
Chapter 11 →