bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Romans 9
Romans 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብክርስቶስ ሓቂ ኸም ዝዛረብ እምበር ከም ዘይሕሱ፥ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ እዩ።
2
ብዙሕ ጓህን፥ ዘየቋርፅ ጭንቅን፥ ኣብ ልበይ ኣሎ።
3
ኣነ ንባዕለይ፥ ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣሕዋተይን ኣዝማደይን ዝኾኑ፥ ርጉም ኮይነ፥ ካብ ክርስቶስ ክፍለ ምደለኹ።
4
ንሳቶም እስራኤላውያን እዮም፤ ውሉድነትን፥ ክብርን፥ ኪዳንን፥ ምሕጋግ ሕግን፥ ንኣምላኽ ምግልጋልን፥ ተስፋን፥ ናታቶም እዩ።
5
ንሳቶም ካብ ኣቦታት ዝተወለዱ እዮም፤ ክርስቶስውን ብስጋ ኻብኣቶም እዩ ዝተወለደ። ንሱ ልዕሊ ዅሉ ዝኾነ ኣምላኽ፥ ንዘለኣለም ቡሩኽ እዩ። ኣሜን!
6
ግና እቲ ቓል እግዚኣብሄር፥ በዙይ ከንቱ ኾይኑ ተሪፉ ማለት ኣይኮነን፤ እቶም ካብ እስራኤል ዝተወለዱ ዅሎም፥ እስራኤላውያን ኣይኮኑንሞ።
7
ከምኡውን ኵላቶም እቶም ካብ ኣብርሃም ዝተወለዱ፥ ደቂ ኣብርሃም እዮም ማለት ኣይኮነን። እንተ ኾነ “ካብ ይስሓቅ ዘርኢ ኽስመየልካ እዩ” ኢልዎ ነበረ።
8
እዙይ ማለት ከዓ፥ እቶም ከም ተስፋ ቓሉ ዝተወለዱ እዮም፥ ደቁ ዝኾኑ እምበር፥ እቶም ብስጋ ዝተወለዱስ፥ ደቂ እግዚኣብሄር ኣይኮኑን።
9
እቲ ቓል ተስፋ “ንዓመታ ኸምዛ እዋን እዚኣ ኽመፅእ እየ፤ ሳራ ኸዓ ወዲ ኽትወልድ እያ” ዝብል ነበረሞ።
10
እዙይ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ርብቃውን ካብ ሓደ ኣቦና ይስሓቅ ምስ ጠነሰት፥
11
ካብ ሕርየት እምበር፥ ካብ ግብሪ ኸም ዘይኮነ፥ እቲ ፈቓድ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብ ምሕራይ ከም ዝተመስረተ ምእንቲ ኽገሃድ፥ እቶም ህፃናት ገና እንተይተወለዱ፥ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ እንተይገበሩ፥
12
ንርብቃ “እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶይ ክግዛእ እዩ” ዝብል ተነገራ።
13
እዙይ ከዓ “እቲ ንያእቆብ ኣፍቀርኩ፤ ንኤሳው ግና ፀላእኹ” ዝብል ፅሑፍ ስለ ዘሎ እዩ።
14
እሞኸ እንታይ ክንብል ኢና? ኣብ እግዚኣብሄርዶ ዓመፅ ኣሎ እዩ? የለን!
15
እግዚኣብሄር ንሙሴ፦ “ንዝምሕሮ ኽምሕሮ እየ፤ ንዝርህርሀሉ ኽርህርሀሉ እየ” ኢልዎ እዩ።
16
ስለዙይ ምሕረት፥ ካብቲ ዝምሕር እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ንዝደለየን ንዝጐየየን ኣይኮነን።
17
ንፈርዖን “ሓይለይ ኣባኻ ኸርኢ፥ ስመይውን ኣብ ኵሉ ምድሪ ምእንቲ ኽንገር እየ ዘተሳእኹኻ” ዝብል ፅሑፍ ኣሎ እሞ።
18
እምበኣር፥ ንዝደለዮ ይምሕሮ፤ ንዝደለዮ ድማ የሀልኾ እዩ።
19
እምበኣር “ስለ ምንታይ ክሳዕ ሕዚ ዝነቅፍ? ንፍቓዱኸ ዝቃወም መን እዩ?” ትብል ትኸውን።
20
ኣታ ሰብ፥ ንእግዚኣብሄር እትከራኸሮ፥ ንስኻ መን ኢኻ? ስራሕ፥ ንሰራሒኡ ንምንታይ ከምዙይ ጌርካ ሰራሕኻኒ፥ ክብሎዶ ይኽእል እዩ?
21
ወይ እቲ ሰራሒ መሬት፥ ካብ ሓደ ፀብሪ፥ ገሊኡ ንኽብሪ፥ ገሊኡውን ንሓሳር ዝኸውን ኣቕሑ ኽሰርሕ፥ ኣብቲ ፀብሪ ስልጣንዶ የብሉን እዩ?
22
ከምኡ ድማ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ኸርኢ ሓይሉውን ከፍልጥ እንተ ደልዩ፥ ትዕግስቱ ምስ ኣርኣየ፥ ነቶም ንጥፍኣት ዝተዳለዉ፥ ናይ ጥፍኣት መልእኽተኛታት የምፅእ።
23
ከምኡውን ዕብየት ጐይትነቱ ኸርኢ እንተ ደለየ፥ ኣቐዲሙ ንኽብሪ ንዘዳለዎም ናይ ምሕረት መልእኽተኛታት የምፅእ።
24
እዚኣቶምውን፥ ንሕና እቶም ካብ ኣይሁድ ኮነ ኻብ ኣህዛብ፥ ዝተፀዋዕና ሰባት ኢና።
25
ኣብ ነቢይ ሆሴዕውን፦ “ነቲ ህዝበይ ዘይኮነ ‘ህዝበይ’ ክብሎ እየ፤ ነታ ዘይፍቕርተይውን፥ ‘ፍቕርተይ’ ክብላ እየ” ይብል እዩ።
26
ኣብታ “ህዝበይ ኣይኮንኩምን” ተብሂሎም ዝተፀውዑላ ስፍራ፥ “ደቂ ህያው እግዚኣብሄር” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም ይብል።
27
ኢሳይያስውን ብዛዕባ ደቂ እስራኤል፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፦ “ቍፅሪ ደቂ እስራኤል፥ ከም ሑፃ ባሕሪ እኳ እንተ በዝሐ፥ እቲ ተረፍ ጥራሕ እዩ ዝድሕን።
28
እግዚኣብሄር ንፍርዱ፥ ኣብ ምድሪ ብርግፅን ብቕልጡፍን ክፍፅሞ እዩ እሞ።”
29
ከምቲ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ “እግዚኣብሄር ፀባዖት፥ ዘርኢ እንተ ዘይሓድገልናስ፥ ከም ሰዶም ምኾንና፤ ንገሞራውን ምመሰልና ኔርና” ዝበሎ እዩ።
30
ደጊምከ እንታይ ንበል? እቶም ፅድቂ ዘይደለዩ ኣህዛብ፥ ንፅድቂ ረኸብዋ፤ እዙይ ከዓ ብእምነት ዝርከብ ፅድቂ እዩ።
31
እስራኤል ግና፥ ነቲ ናብ ፅድቂ ዘብፅሕ ሕጊ እናተኸተሉስ፥ ንሕጊ ስለ ዘይፈፀምዎ፥ ነቲ ፅድቂ ኣይረኸብዎን።
32
ስለ ምንታይ ነቲ ፅድቂ ዘይረኽብዎ? ፅድቆም ብስራሕ እምበር፥ ብእምነት ስለ ዘይኮነ እዩ። ኣብቲ እምኒ መዐንቀፊ ድማ ተዓንቀፉ።
33
እዙይ ከዓ መፅሓፍ፦ “እንሆ ኣብ ፅዮን መዐንቀፊ እምንን፥ ዘንደልህፅ ኰዅሕን ኣንብር ኣለኹ፤ ብእኡ ዝኣምን ከዓ፥ ኣይሓፍርን እዩ” ኸም ዝበሎ እዩ።
← Chapter 8
Chapter 10 →