bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Revelation 18
Revelation 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ፥ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ፥ ካብ ሰማይ እንትወርድ ረአኹ። ብናይ ክብሩ ነፀብራቕውን፥ ምድሪ በርሀት።
2
ንሱ ኸዓ፦ “እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ! መሕደሪ ኣጋንንትን፥ ሰፈር ኵሎም ርኹሳት መናፍስትን፥ ሰፈር ኵሉ ርኹስን፥ ሰፈር ዘፀይፍ ኵሉ ኣዕዋፍን ኮይና፤
3
ኵሎም ኣህዛብ፥ ካብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዝርናኣ፥ ሰትዮም እዮም እሞ፤ ነገስታት ምድሪ፥ ምስኣ መንዚሮም፤ ነጋዶ ምድሪ እውን፥ ብሓይሊ ፅጋባ ሃብቲሞም እዮም” እናበለ፥ ድምፂ ኣስምዐ።
4
ካብ ሰማይ ድማ፥ ካልእ ኸምዙይ ዝብል ድምፂ ሰማዕኹ፦ “ኣቱም ህዝበይ፥ ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትተሓባበሩ፥ ኻብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉ፥ ካብኣ ውፁ፤
5
ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ በፂሑ፤ እግዚኣብሄር ድማ፥ ዓመፃኣ ዘኪሩ እዩ እሞ፥
6
ከምቲ ንሳ ዝፈደየትኩም ፍደዩዋ፤ ከምቲ ግብራውን ዕፅፊ መልሱላ። በቲ ዝቐድሐትሉ ፅዋዕ፥ ዕፅፊ ጌርኩም ቅድሑላ።
7
ብልባ ‘ነጊሰ ኽነብር እየ፤ መበለትውን ኣይኸውንን እየ፤ ሓዘን ድማ ኣይርእን እየ’ ትብል ኣላ እሞ፥ ኽንድቲ ንባዕላ ዘኽበረቶን ዘሐንቀቐቶን፥ ስቓይን ሓዘንን ፍደይዋ።
8
ስለዙይ እቲ ዝፈርዳ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሓያል እዩ እሞ፥ እቲ መዓታ፥ ብሓንቲ መዓልቲ ኽወርዳ እዩ፤ ሞትን ሓዘንን ጥሜትን ክመፃ እዩ፤ ብሓንቲ መዓልቲ ኽመፃ እዩ፤ ብሓዊውን ክትቃፀል እያ።
9
“እቶም ምስኣ ዝመንዘሩን ዝሓንቀቑን ነገስታት ምድሪ ኸዓ፥ ነቲ ኽትነድድ እንተላ ተውፅኦ ዝነበረት ትኪ ሪኦም፥ ክበኽዩላን ከልቅሱላን እዮም።
10
ነቲ ኣብኣ ዝወርድ ዝነበረ ስቓይ ስለ ዝፈርሑ፥ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፦ ‘ወይለኺ! ወይለኺ! ኣቲ ዓባይ ከተማ፥ ኣቲ ብርትዕቲ ኸተማ ባቢሎን፥ ፍርድኺ ብሓንቲ ሰዓት መፂኡኪ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም።
11
“እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ነጋዶ ኸዓ፥ ደጊም ፅዕነት መራኽቦም ዝዕድገሎም ስለ ዘየለ፥ ክበኽዩላን ከልቅሱላን እዮም።
12
ጥሪታቶም ከዓ፥ ወርቅን ብሩርን፥ ክቡር እምንን ሉልን፥ ሻሽን ቀይሕ ውፁእ ክዳንን፥ ሃርን ቀይሕ ግምጃን፥ ጥዑም መዓዛ ዘለዎ ዅሉ ዕፀዋትን፥ ካብ ስኒ ሓርማዝ ዝተሰርሑ ኣቕሑን፥ ብኽቡር ዕንፀይትን ብነሃስን ሓፂንን እምነ በረድን ዝተሰርሑ ኣቕሑን፥
13
ቃርፋን፥ ቀመምን፥ ዕጣንን፥ ከርበን፥ ፃዕዳ ዕጣንን፥ ዘይትን፥ ሕሩጭን፥ ስርናይን፥ ከፍትን፥ ኣባጊዕን፥ ኣፍራስን፥ ሰረገላታትን፥ ባሮትን፥ ምሩኻት ሰባትን እዮም።
14
እቶም ነጋዶ፦ ‘እቲ ነፍስኺ ዝበሃገቶ ፍረ፥ ካባኺ ሓሊፉ፤ ሃብትኽን ግርማኽን፥ ካባኺ ጠፊኡ፤ ድሕሪ ደጊም፥ እዙይ ከቶ ኣይርከብን እዩ’ ኽብሉ እዮም።
15
እቶም ነዝ ነገራት እዙይ እናሸጡ፥ ብኣኣ ዝሃብተሙ ነጋዶ፥ ነቲ ስቓያ ፈሪሖም፥ ኣብ ርሑቕ ደው ክብሉ እዮም። ከምዙይ እናበሉውን ክበኽዩን ክሓዝኑን እዮም፦
16
‘እዛ ሻሽን ቀይሕ ውፁእ ኽዳንን ቀይሕ ግምጃን ዝተኸድነት፥ ብወርቅን ክቡር እምንን ሉልን ዝተሸለመት፥ ዓባይ ከተማ ወይለኣ! ወይለኣ!
17
ክንድዙይ ዝኣክል ሃብቲ፥ ብሓንቲ ሰዓት ጠፊኡ እዩሞ።’ ኵሎም ኣዘዝቲ መራኽብን፥ ብመራኽብ ነናብ ስፍራኣቶም ዝጐዓዙ ሰባትን፥ እቶም ኣብ ባሕሪ ዝነግዱ ዅሎምን፥ ኣብ ርሑቕ ቆሙ።
18
ንሳ ኽትነድድ እንተላ፥ ነቲ ዝወፅእ ዝነበረ ትኪ ምስ ረአዩ ኸዓ፥ ‘ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣ እትመስል ከተማ፥ ከቶ ኣይነበረትን’ እናበሉ ኣእወዩ።
19
እናበኸዩን እናሓዘኑንውን፥ ኣብ ርእሶም ሓመድ ነስነሱ። ‘እቶም ኣብ ባሕሪ መራኽብ ዘለዋኦም ኵሎም፥ ብሃብታ ዝሃብተሙ፥ ብሓንቲ ሰዓት ዓንያ እያ እሞ፥ ነዛ ዓባይ ከተማ ወይለኣ! ወይለኣ!’ እናበሉ ኣእወዩ።
20
“ኦ፥ ሰማይ ብኣኣ ተሓጐስ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ፈሪዱ፥ ሕነ ስለ ዝፈደየልኩም፥ ኣቱም ቅዱሳን ሃዋርያትን ነቢያትንውን ተሓጐሱ”
21
ብድሕሪዙይ ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ፥ ክንዲ ዓብዪ መጥሓን ዝኸውን እምኒ ኣልዒሉ፥ ከምዙይ እናበለ፥ ናብ ባሕሪ ደርበዮ፦ “ባቢሎን እታ ዓባይ ከተማ፥ ከምዙይ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ! ደጊም ከዓ፥ ከቶ ኣይትርከብን እያ።
22
ድምፂ ቓነይቲ መሰንቆን፥ ድምፂ ደረፍትን፥ ነፋሕቲ እምብልታን፥ ድምፂ ነፋሕቲ መለኸትን፥ ደጊም ኣባኺ ኸቶ ኣይስማዕን እዩ፤ ዝኾነ ዓይነት ኢደ ጥበብ ዝሰርሕ፥ ኵሉ ጥበበኛ፥ ኣባኺ ኸቶ ኣይርከብን እዩ፤ ድሕሪ ደጊምስ፥ ድምፂ መጥሓን፥ ኣባኺ ኸቶ ኣይስማዕን እዩ።
23
ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፤ ኵሎም ኣህዛብውን፥ ብጥንቍልናኺ ስሒቶም እዮም፤ ድሕሪ ደጊም ግና፥ ኣባኺ ናይ መብራህቲ ብርሃን ከቶ ኣይበርህን፤ ድሕሪ ደጊምስ፥ ኣባኺ ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከቶ ኣይስማዕን እዩ።”
24
ደም ነቢያትን ቅዱሳንን፥ ደም ናይቶም ኣብ ምድሪ ዝተሓርዱ ዅሎም፥ ኣብኣ ተረኺቡ እዩ እሞ።
← Chapter 17
Chapter 19 →