bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Revelation 19
Revelation 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ፥ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ህዝቢ ዝበለ፥ ብርቱዕ ድምፂ፥ “ሃሌ ሉያ! ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ።
2
ፍርዱ ሓቅን ፅድቅን እዩ እሞ፥ ንሱ፥ ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍአት ዓባይ ኣመንዝራ፥ ፈረዳ፤ ንደም ኣገልገልቱውን፥ ካብ ኢዳ ተፈደዮ” እንትብል ሰማዕኹ።
3
መሊሶም ከዓ፥ “ሃሌ ሉያ! ንዘለኣለመ ኣለም ትካ ንላዕሊ ይወፅእ” እናበሉ፥ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።
4
እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ከዓ፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ እግዚኣብሄር “ኣሜን፥ ሃሌ ሉያ” እናበሉ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
5
ብድሕሪዙይ “ኣቱም እትፈርሕዎ ዅልኻትኩም፥ ኣናእሽቱን ዓበይትን ኣገልገልቱ፥ ንኣምላኽና ወድስዎ” ዝብል ድምፂ፥ ካብቲ ዙፋን ወፀ።
6
ሽዑ ኸም ድምፂ ብዙሕ ሰብን፥ ከም ድምፂ ብዙሕ ማያትን፥ ብርቱዕ ነጐድጓድን ዝበለ፥ “ሃሌ ሉያ! እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ።
7
መርዓ እቲ በጊዕ በፂሑ፤ መርዓቱውን ተዳልያ ኣላ፤ ስለዙይ ንተሓጐስ ባህውን ይበለና፤ ንእኡ ድማ ኽብሪ ንሃቦ፤
8
ዘንፀባርቕን ብሉፅን ፅሩይን ክዳን ክትክደን፥ ተውሂቡዋ እዩ” እንትብል ሰማዕኹ። እዝ ብሉፅ ክዳን ድማ፥ ናይቶም ቅዱሳን፥ ግብሪ ፅድቂ እዩ።
9
ብድሕሪዙይ እቲ መልኣኽ፥ “ ‘እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ በጊዕ ዝተዓደሙ፥ ብፁኣን እዮም’ ኢልካ ፀሓፍ” በለኒ። ኣስዒቡ ኸዓ፥ “እዙይ ናይ ብሓቂ ቃል እግዚኣብሄር እዩ” በለኒ።
10
ኣነ ድማ ነቲ መልኣኽ ክሰግደሉ፥ ኣብ ትሕቲ እግሩ ወደቕኩ፤ ንሱ ግና “ሕደግ! ከምኡ ኣይትግበር! ኣነውን፥ ከማኻን ከምቶም ናይ ኢየሱስ ምስክርነት ዝሕልዉ ኣሕዋትካን፥ ኣገልጋሊ እየ፤ ንእግዚኣብሄር ደኣ ስገድ፤ እቲ ናይ ኢየሱስ ምስክርነት፥ ናይ ትንቢት መንፈስ እዩ እሞ” በለኒ።
11
ሽዑ ሰማይ ተኸፊቱ ረአኹ። ኣብኡ ኸዓ፥ ፃዕዳ ፈረስ ነበረ፤ እቲ ዝተቐመጦ ኸዓ፥ እሙንን ሓቀኛን ይበሃል፤ ብፅድቅውን፥ ይፈርድን ይዋጋእን እዩ።
12
ኣዒንቱ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፤ ኣብ ርእሱውን፥ ብዙሕ ዘውድታት ኣለዎ፤ ኣብ ልዕሊኡውን፥ እንትርፊ ባዕሉ ሓደኳ ዘይፈልጦ፥ ዝተፅሓፈ ስም ኣለዎ።
13
ብደም ዝጠልቀየ ኽዳን፥ ተወንዚፉ ነበረ፤ ስሙውን፥ “ቃል እግዚኣብሄር” ይበሃል።
14
ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከዓ፥ ፃዕዳን ፅሩይን ክዳን ተኸዲኖም፥ ኣብ ፀዓዱ ኣፍራስ ተቐሚጦም፥ ተኸተልዎ።
15
ካብ ኣፉ ኸዓ፥ ነህዛብ ዝወቕዐሉ፥ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ። ንሱ፥ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ። ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ብርቱዕ ቝጥዓ መፅመቝ ወይኒ ኸዓ፥ ንሱ ኽረግፆ እዩ።
16
ኣብ ክዳኑን ኣብ ጐኑን ድማ፥ “ንጉስ ነገስታት፥ ጐይታ ጐይቶት” ዝብል ስም ተፅሒፍዎ ነበረ።
17
ብድሕሪዙይ፥ ሓደ መልኣኽ፥ ኣብ ፀሓይ ደው ኢሉ ረአኹ፤ ነተን ኣብ ሰማይ ዝነፍራ ዅለን ኣዕዋፍ ድማ፥ ብብርቱዕ ድምፂ፦ “ንዕነ፥ ናብቲ ዓብዪ ድራር እግዚኣብሄር ተኣከባ፤
18
ስጋ ነገስታትን፥ ስጋ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ስጋ ሓያላትን፥ ስጋ ኣፍራስን፥ ስጋ ናይቶም ዝተቐመጥዎምን፥ ስጋ ዅሎም ሰባትን፥ ጭዋታት ኮኑ ባሮት፥ ኣናእሽተይ ኮኑ ዓበይቲ፥ ንዕነ ብልዓ” እናበለ ፀውዐን።
19
እቲ ኣራዊትን፥ እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከዓ፥ ምስቲ ኣብ ፈረስ ዝተቐመጠን፥ ምስቶም ሰራዊቱን፥ ክዋግኡ ተኣኪቦም ረአኹ።
20
እቲ ኣራዊት ተትሓዘ፤ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዝተቐበሉን፥ ንምስሉ ዝሰገዱን፥ ዘስሕቶም ተኣምራት ኣብ ቅድሚኡ ዝገብር ዝነበረ ሓሳዊ ነቢይውን፥ ምስኡ ተትሓዘ፤ ክልቲኦምውን ብህይወቶም እንተለዉ፥ ናብቲ ብዲን ዝነድድ ቃላይ ሓዊ ተደርበዩ።
21
እቶም ዝተረፉ ድማ፥ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ዝተቐመጠ ዝወፅእ ዝነበረ ሰይፊ ተቐተሉ። ኵለን ኣዕዋፍውን፥ ስጋኦም በሊዐን ፀገባ።
← Chapter 18
Chapter 20 →