bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Revelation 17
Revelation 17
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ካብቶም ሸውዓተ ፅዋዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ እቲ ሓደ ናባይ መፂኡ፦ “ፍርዲ፥ እታ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ፥ ከርእየካ ነዓ፤
2
ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዘሩ፤ ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኸሩ” በለኒ።
3
ብመንፈስ ድማ፥ ናብ ምድረ በዳ ወሰደኒ። ኣብ ልዕሊ ቐይሕ ኣራዊት ዝተቐመጠት ሰበይቲ ኸዓ ረአኹ። እቲ ኣራዊት፥ ስማት ፀርፊ ኣብ ሰብነቱ መሊእዎ ነበረ። ሸውዓተ ኣራእስን፥ ዓሰርተ ኣቕርንትን ድማ ነበሮ።
4
እታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ቀይሕ ግምጃን፥ ቀይሕ ውፁእ ኽዳንን ተወንዚፋ፥ ብወርቅን ብኽቡር እምንን ኣዕናቝን ተሸሊማ ነበረት፤ ርኽሰት ምንዝርናኣ ዝመልአ፥ ዘነውር ፅዋዕ ወርቂ ኸዓ፥ ኣብ ኢዳ ሒዛ ነበረት።
5
ኣብ ግምባራ ድማ “እታ ዓባይ ባቢሎን፥ እኖ ኣመንዝራታትን፥ እኖ ርኽሰት ምድርን” ዝብል፥ ብምስጢር ዝፍለጥ ስም፥ ተፅሒፉ ነበረ።
6
እታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ብደም ቅዱሳንን፥ ብደም እቶም መሰኻኽር ኢየሱስን፥ ሰኺራ ረአኽዋ። ምስ ረአኽዋ ድማ፥ የመና ተገረምኩ።
7
እቲ መልኣኽ ከዓ፦ “ስለ ምንታይ ትግረም? ምስጢር እታ ሰበይትን፥ ምስጢር እቲ ፆይርዋ ዘሎ ሸውዓተ ኣራእስን፥ ዓሰርተ ኣቕርንቲ ዘለዎ ኣራዊትን፥ ኣነ ኽነግረካ እየ።
8
እቲ ዝረአኻዮ ኣራዊት ቅድም ነይሩ፤ ሕዚ የለን፤ ግና ኻብ ዓሚቝ ጕድጓድ ክወፅእ፥ ናብ ጥፍኣትውን ክኸይድ እዩ። ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ እቲ ኣራዊት፥ ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዝመፅእን ምስ ረአዩ፥ ክግረሙ እዮም።
9
“ጥበብ ዘለዎ ኣእምሮ፥ ኣብዙይ እዩ ዘሎ። እቶም ሸውዓተ ኣራእስ፥ እታ ሰበይቲ ተቐሚጣቶም ዘላ፥ ሸውዓተ እምባታት እዮም። ንሳቶም ከዓ ሸውዓተ ነገስታት እዮም።
10
እቶም ሓሙሽተ ወዲቖም እዮም፤ እቲ ሓደ ሕዚ ኣሎ፤ እቲ ሓደ ገና ኣይመፀን፤ ምስ መፀ ድማ፥ ንቑሩብ ጊዜ ኽፀንሕ እዩ።
11
እቲ ቕድም ዝነበረ፥ ሕዚ ግና ዘየለ ኣራዊት፥ ሻምናይ እዩ። ካብ እቶም ሸውዓተ ኸዓ ሓደ እዩ። ናብ ጥፍኣትውን ይኸይድ።
12
“እቶም ዝረአኻዮም ዓሰርተ ኣቕርንቲ ድማ፥ ገና መንግስቶም ዘይተቐበሉ፥ ዓሰርተ ነገስታት እዮም። ግና ምስቲ ኣራዊት፥ ከም ነገስታት ኮይኖም፥ ንሓንቲ ሰዓት ስልጣን ዝቕበሉ እዮም።
13
እዚኣቶም ሓደ ሓሳብ ኣለዎም፤ ሓይሎምን ስልጣኖምን ከዓ፥ ነቲ ኣራዊት ክህብዎ እዮም።
14
እዚኣቶም፥ ምስቲ በጊዕ ክዋግኡ እዮም፤ እቲ በጊዕ ግና፥ ጐይታ ጐይቶትን ንጉስ ነገስታትን እዩ እሞ፥ ክስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ፥ ዝተፀውዑን፥ ዝተሓረዩን፥ እሙናትን ከዓ፥ ምስኡ ኽስዕሩ እዮም” በለኒ።
15
“እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶም ዝረአኻዮም ማያት፥ ኣህዛብን ህዝብን ብዙሓት ሰባትን፥ ሃገራትን፥ ዝተፈላለዩ ቛንቋታትን እዮም።
16
እቶም ዝረአኻዮም ዓሰርተ ኣቕርንትን፥ እቲ ኣራዊትን፥ ነታ ኣመንዝራ ኽፀልእዋ እዮም፤ ከባድምዋ፥ ጥራሓ ኸውፅእዋ፥ ስጋኣ ኽበልዑ፥ ብሓዊውን ከንድድዋ እዮም።
17
እግዚኣብሄር፥ ሓሳቡ ምእንቲ ኽፍፅሙ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝፍፀም፥ ሓደ ሓሳብ ኮይኖም፥ መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ክህብዎ፥ ኣብ ልቦም ኣእትዩ እዩ እሞ።
18
እታ ዝረአኻያ ሰበይቲ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ነገስታት ምድሪ እትነግስ፥ ዓባይ ከተማ እያ” በለኒ።
← Chapter 16
Chapter 18 →