bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Revelation 16
Revelation 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ካብታ መቕደስ ከዓ፥ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፥ “ኪዱ፥ ነቲ ፅዋዕ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ” ዝብሎም፥ ብርቱዕ ድምፂ ሰማዕኹ።
2
ሽዑ እቲ ቐዳማይ መልኣኽ ከይዱ፥ ፅዋዑ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰ። ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘለዎምን፥ ንምስሉ ዝሰገዱን ሰባት፥ ክፉእ ዘሳቒ ቝስሊ ወፆም።
3
እቲ ኻልኣይ መልኣኽ ድማ፥ ፅዋዑ ናብ ባሕሪ ኣፍሰሰ። እቲ ባሕሪ ኸዓ፥ ከም ናይ ዝሞተ ሰብ ደም ዝመስል ኮነ፤ ኣብቲ ባሕሪ ዝነብር፥ እስትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ህያው ድማ ሞተ።
4
እቲ ሳልሳይ መልኣኽውን፥ ፅዋዑ ናብ ሩባታትን፥ ዓይኒ ማያትን ኣፍሰሰ። ንሳቶምውን ደም ኮኑ።
5
እቲ ኣብ ማያት ስልጣን ዘለዎ መልኣኽ ድማ፦ “ኣታ ዘለኻን ዝነበርካን ቕዱስ፥ ከምዙይ ጌርካ ስለ ዝፈረድካ፥ ፃድቕ ኢኻ።
6
ደም ቅዱሳንን ደም ነቢያትን ኣፍሲሶም እዮም፤ ንስኻ ኸዓ፥ ደም ኣስተኻዮም፤ ይግብኦም እዩ እሞ” እንትብል ሰማዕኹ።
7
ካብቲ መሰውኢ ድማ፦ “እወ፥ ኦ፥ ኵሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እቲ ፍርድኻ፥ ሓቅን ቅኑዕን እዩ” ዝብል ድምፂ ሰማዕኹ።
8
እቲ ራብዓይ መልኣኽ ከዓ፥ ፅዋዑ ኣብ ፀሓይ ኣፍሰሰ። ንፀሓይውን፥ ንሰብ ብሙቐታ ኽተንድድ ሓይሊ ተውሃባ።
9
እቶም ሰባት ድማ፥ ብብርቱዕ ሃሩር ነደዱ፤ ንስም እቲ ኣብዘን መቕሰፍትታት እዚኣተን፥ ስልጣን ንዘለዎ እግዚኣብሄር ፀረፍዎ፤ ምንሳሕን፥ ንእኡ ኽብሪ ምሃብን ከዓ ኣበዩ።
10
እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ከዓ፥ ፅዋዑ ኣብ ዙፋን እቲ ኣራዊት ኣፍሰሰ። መንግስቲ እቲ ኣራዊት ድማ፥ ፀልመተት፤ ብሰንኪ እቲ ስቓይውን፥ ሰባት መላሕሶም ሓየኹ።
11
ካብ ክፉእ ግብሮም ክንዲ ዝንስሑ፥ ብሰንኪ ቓንዛኣቶምን ቍስልታቶምን ከዓ፥ ንኣምላኽ ሰማይ ፀረፍዎ።
12
እቲ ሻድሻይ መልኣኽውን፥ ፅዋዑ ኣብቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ ፀሓይ ዝመፁ ነገስታት ድማ፥ መንገዲ ምእንቲ ኽዳለወሎም እቲ ማዩ ነፀፈ።
13
ብድሕሪዙይ፥ ጭንቍራዕ ዝመስሉ ሰለስተ ርኹሳት መናፍስቲ፥ ካብ ኣፍ እቲ ገበልን፥ ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን፥ ካብ ኣፍ እቲ ሓሳዊ ነቢይን፥ ክወፁ እንተለዉ ረአኹ።
14
እዚኣቶም ምልክት ዝገብሩ፥ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም። ንሳቶም፥ በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ንኽዋግኡ ከኽትትዎም፥ ናብ ነገስታት ኵሉ ዓለም ዝኸዱ እዮም።
15
“እንሆ፥ ከም ሰራቒ ኽመፅእ እየ፤ ጥራዩ ምእንቲ ኸይኸይድ፥ ንሓፍረቱውን ሰብ ከይሪኦ፥ እቲ ዝነቅሕን ክዳኑውን ዝሕሉ፥ ብፁእ እዩ።”
16
ንሳቶም ከዓ፥ ብዕብራይስጢ ኣርማጌዶን ናብ ዝበሃል ቦታ ኣከብዎም።
17
እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ ፅዋዑ ኣብ ኣየር ኣፍሰሰ፤ ካብቲ ኣብ መቕደስ ዘሎ ዙፋን ከዓ፥ “ተፈፀመ” ዝብል ብርቱዕ ድምፂ ወፀ።
18
መብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ድማ ኾነ፤ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እውን ኮነ። ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ከምዙይ ዝበለ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፥ ተርእዩ ኣይፈልጥን።
19
እታ ዓባይ ከተማ ናብ ሰለስተ ተመቐለት፤ ከተማታት ኣህዛብውን ወደቓ፤ ናይቲ ብርቱዕ ቝጥዓኡ ወይኒ ዝመልአ ፅዋዕ ኽወሃባ፥ እታ ዓባይ ባቢሎን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተዘከረት።
20
ኵለን ደሴታት ጠፍኣ፤ እምባታትውን ኣይተረኽቡን።
21
ኣርብዓን ሓሙሽተን ኪሎ ግራም ዝምዘን በረድ፥ ካብ ሰማይ ናብ ሰብ ወረደ። እቲ መቕሰፍቲ የመና ዝኸፍአ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ሰባት፥ ብሰንኪ እቲ መቕሰፍቲ በረድ፥ ንእግዚኣብሄር ፀረፍዎ።
← Chapter 15
Chapter 17 →